ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮቪድ19 ንሕማም ቲቢ ከምዘጋደዶ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ


ሎሚ 24 መጋቢት ተዘኪሩ ኣብ ዝውዕል ዓለምለኸ መዓልቲ ቲቢ ምኽንያት ብምግባር፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ሕማም ንምምካት ዝግበር ወፍሪ ክሕይልን ገንዘብ ክዋጻእን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19፡ ሕማም ቲቢ ንምግታእ ተገይሩ ዝነበረ ገስጋስ ከም ዝተዓናቐፈ ኣመልኪቱ። ብሰንኩ ድማ መጠን ሞት በቲ ሕማም ካብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት፡ ካብ 2020 ኣትሒዙ ክልዕል ከም ዝጀመረ ይጠቅስ።

ከም ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ19፡ ብሕማም ቲቢ ዝሞቱ ዜጋታት 1.5 ሚልዮን ክበጽሑ እንከለዉ፡ ዝበዝሑ ካብኣቶም ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዘጋጠመ’ዩ።

XS
SM
MD
LG