ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሮናቫይረሰ ብዝለዓለ ደረጃ ይጋፋሕ ኣብዘሎ እዋን መንግስታት ነቲ ቫይረስ ንምዕጋት ብዝለዓለ ምትዕፅፃፍ ክሰርሑ ውድብ ጥዕና ዓለም ፀዊዑ


በዝሒ ብኮሮና ቫይረስ ዝትሓዙን ዝሞቱን ዘለው ይስማዕ ዘሎ ንቻይና ሓዊሱ ካብ ምዕራብ ፓሲፊክ እዩ።ኣውሮፓ ብቐረባ ብካልኣይ ደረጃ እናስዓብት ጸኒሓ እያ።ሕዚ ግን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙን ዝሞቱን ካብ ኩሎም ዞባታት ብድምር ዝዓበየ ቁጽሪ ኮይኑ ኣሎ።


ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሓበሮ ኣብ ኣውሮፓ በዚ መጠን ይንህር ናይ ምህላው ምኽንያት ምፍላጥ ኣይተኽኣለን።ወሃቢ ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም ክርስቲያን ሊንድሜየር ትካሎም እቲ ቫይረስ ኣብ ዓለም ብስፍሓት ክጋፋሕ እዩ ኢሉ ከጠንቅቕ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም።


ብዙሓት ሃገራት እቲ ቫይረስ ዘለዎ መርሚረን ንምፍላጥ፣ሕክምና ንምሃብ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ንምክትታልን ድሉዋት ኣይነበራን ኢሎም ሊንድመየር።
ጥቡቕ ናይ ሕክምና፣ማሕበራውን ፖለቲካውን ስጉምትታት ዝወሰዳ ቻይናን ሲንጋፖርን ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙን ዝሞቱን ርኡይ መንቁልቋል ከምዝተርኣየ ወሲኾም ገሊፆም።


ጣሊያን፣ስፔይን፣ፈረንሳይ፣ስዊዘርላንድን ካልኦትን ይወስድኦ ዘለዋ ተመሳሳሊ ስጉምቲታት ይሰርሕ ምህላው ንምርዳእ ግን እዋኑ ገና እዩ ኢሎም።
እቲ ዓለምለኸ ለበዳ ምምሕያሽ ቅድሚ ምርኣዩ እናገደደ ክኸይድ እዩ ኢሎም።ሰባት ብዙሕ ሕሙምን ሞትን ከምዘጋጥም ንባዕሎም ድልዊ ክገብሩ ኣጠንቂቖም ወሃቢ ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም ክርስቲያን ሊንድመየር ኣጠንቂቖም።


ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG