ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮረና ቫይረስ ካብ ዝተራእየለን ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣተው ልዕሊ 900 ሰባት ክትትል ይገብረሎም ከምዘሎ ተገሊጹ


ዶ/ር ኤባ ኣባተ
ዶ/ር ኤባ ኣባተ

ኮረና ቫይረስ ካብ ዝተራእየለን ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣተው ልዕሊ 900 ሰባት ክትትል ይገብረሎም ከምዘሎ ትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ተጉዓዝቲ ን14 መዓልታት ተፈሊዮም ክትትል ዝተገበረሎም 750 ሰባት ናብቲ ሕብረተሰብ ከምዝተሓወሱን ካልኦት 932 ሰባት ግን ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎን እቲ ኢንስቲትዩት ሎሚ ኣብዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ብምድሪን ብሰማይን ንዝኣትው ናይ ምፍላይን ናይ ምርመራን ስራሓት ሓይሎም ምቕፃሎም፣ካብ ትካል ጥዕና ዓለም ዝውሃቡ ናይ መከላኸሊ እታዎታት እውን ንክልላትን ንሆስፒታላትን ይከፋፈሉ ከምዘለው ናይቲ ትካል ዋና ዳይረክተር ዶ/ር ኤባ ኣባተ ገሊፆም ።

XS
SM
MD
LG