ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኮረና ቫይረስ ንምቁፅፃር ኣብ ምክልኻል ጥራሕ ጠመተ ምግባር ይግባእ'ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል


'ኮረና ቫይረስ ንምቁፅፃር ኣብ ምክልኻል ጥራሕ ጠመተ ምግባር'ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:26 0:00

'ኮረና ቫይረስ ንምቁፅፃር ኣብ ምክልኻል ጥራሕ ጠመተ ምግባር'ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ኮረና ቫይረስ ንምቁፅፃር ኣብ ምክልኻል ጥራሕ ጠመተ ምግባር ይግባእ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓቢሮም ::

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እዚ ዝበሉ ኣብ ከተማ መቐለ ብኮሮና ቫይረስ ንዝተታሕዙ ዝተዳለወ ማእኸል ፈሊኻ መፅንሒ ዑደት ኣብ ዝገበርሉ እዋን እዩ::

ብተመሳሳሊ ኮረና ቫይረስ ንምክልኻል ኣብቲ ክልል ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ: ኮረና ቫይረስ ንምክልኻል ዝተፈፀሙ ተግባራት ውሱናት ብምኻኖም አመራርሓ መንግስቲ ጠመተ ሂቦም ክሰርሓሉ ይግባእ ተባሂሉ::

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተዳለወ ማእኸል ፈሊኻ መፅንሒ ብቀዳም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዑደት ኣካይዶም እዮም::

ዶክተር ደብረፅዮን ኣብቲ እዋን: ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብምክልኻል ጥራሕ ኢና ክንቆፃፀሮ ንኽእል ኢሎም:: ሓደጋ እቲ ለበዳ ብምርዳእ ድማ ነፍስወከፍ ሰብ ዓርሱ ክከላኸል ኣገንዚቦም:: መንግስቶም ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል: ጠመተ ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገለፁ ዶክተር ደብረፅዮን: ኣብቲ ክልል ንምቁፅፃር እቲ ቫይረስ ሕግታት ይወፅኡ ኣለዉ ኢሎም:: ብተመሳሳሊ ኣብቲ ክልል ንኮረና ቫይረስ ንምክልኻል ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ: ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ንቲ ቫይረስ ንምክልኻል ይግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ትሑት እዩ ተባሂሉ::

ሓላፊ ቢሮ ሓላዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ: ኣመራርሓ ዝግባእ ጠመተ ሂቦም ብዘይምስርሖም እዩ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ዘይተጀመረ ኢሎም:: ምክትል ኣተሓባባሪ እቲ ግብረ ሓይሊ ዶ/ር ኣብረሃም ተኸስተ ከምዝበልዎ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ተባሂሉ ቅድሚ ሐዚ ኣኼባታት ጠጠው ክብሉ ዝተወሰነ ኮይኑ ግና ተግባራዊ ኣይኸውንን ዘሎ ኢሎም:: ድሕሪ ሐዚ ግና እቲ ውሳነ ብጥብቂ ክኽበር ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም:: ውልቃውን መንግስታውን ትካላት ጥዕና ተሓከምቲ ምሕታት ጠጠው ከብላ ብተመሳሳሊ ድማ መአረሚ ቦታታት ተአረምቲ ንዝበጽሑ ኣካላት ክኽልኽሉን ኣለዎም ዝብል ውሳነ ተመሓላሊፉ እዩ:: ዶክተር ኣብረሃም ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ከም ማዛጋጃቤት : ባንክታት ሓይሊ መብራህቲንካልኦትን ነዊሕ ሰልፊ ከይገብራ ይግባእ ኢሎም ። እንዳ መስተን ቤት መግብን’ውን ካብ ኩልግዘ ንላዕሊ ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ግቡእ ቆላሕታ ክህቡ ይግባእ ዝበሉ ኮይኖም ነዚ ዘየተግብሩ ኣካላት ድማ ሓይልታት ፀጥታ ሕጊ ከኽብሩ እዩም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG