ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮምሽን ሰ/መሰላት ህዝብታት ኣፍሪቃ ስርሑ ይቕፅል ምህላዉ ኣፍሊጡ


ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተፈፀመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዘፃሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ህዝብታት ኣፍሪቃ ስርሑ ይቕፅል ምህላዉ ኣፍሊጡ። ኣቦ መንበር አቲ ኮምሽን ሬሚ ንጎይ ሉምቡ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ብምኽንያት እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክካየድ ዝፀንሐ ኲናት ንዝተፈጥረ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንምፅራይ ዘካይዶ ዘሎ መፅናዕቲ ናብ ምዝዛሙ ገፁ ምዃኑ ገሊፆም።

ንሶም ነዚ ዝበሉ ካብ ምጥያስ እቲ ኮምሽን ኣትሒዙ ክቃወም ዝፀንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ “እቲ ኮምሽን ንብሕቱ ይገብሮ ንዘሎ መርመራታት ጠጠው ኣቢሉ ምስ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ትካላት ብሓባር ክሰርሕ ይግባእ" ክብሉ ትማሊ ኣብ መበል 42 ኣፈፀምቲ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መኽፈቲ ዘረባ ስዒቡ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ኢዩ።

ምክትል ቀ/ሚ ኣቶ ደመቀ መኮንን ኣብቲ ናይ ትማሊ ዘረበኦም እቲ ኮምሽን ስርሑ ጠጠው ከብል ካብ ምሕታት ብተወሳኺ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘጣየሾን ኣብ ቀረባ እዋን ስርሑ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ ዝርከብ ዓለምለኸ ኮምሽን ሰብሞያ ሰብኣዊ መሰላት ስርሑ ጠጠው ከብል ዝሓትት ውሳነ ሓሳብ’ውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ምድላዉን ኣብቲ ዝመፅእ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ክቐርብ ምዃኑን እዮም ገሊፆም።

እቲ ኮምሽን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውፀኦ ሪፖርቱ ”ኣብ እዋን እቲ ኲናት ዝተፈፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ኲናትን ክበሃሉ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ በደላት ምፍፃሞም" ገሊፁ መብዛሕትኦም ድማ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታታይ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሪፖርት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዘይቅበሎ ክገልፅ ከሎ ህወሓት ግና ካብ ውሑዳት ነጥብታት ወፃኢ መብዛሕትኦም ከምዝቕበሎ ምግላፁ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG