ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ንኩነታት ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንምጽራይ ተሰማሚዑ 


ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት "ገበን ኹናት ተፈጺሙሉ ይኾን እዩ" ኢለን ዝጠቀሰኦ ኩነታት ትግራይ፣ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ብሓባር ነጻርዮ ንዝብል ጠለብ ተሰማሚዐናሉ።

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ንትግራይ የማሓድር ዝነበረ ህወሓትን፣ ኣሻሓት ሰባት ቀቲሉ ኣማኢት ኣሻሓት ካልኦት ድማ ካብ መነባብርኦም ንክፈናቀሉን ንክስደዱን ኣገዲዱ እዩ።

ሕቡራት ሃገራት እንተኾነ ኣብ ትግራይ ግፍዒታት ተፈጺሙ እዩ ብምባል ምልክት መጠንቀቅታ ኣቃሊሑ እዩ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከንን ብወገኖም "ኣብ ትግራይ ምጽራይ ዘርኢ" ተፈጺሙ ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ። ኢትዮጵያ ንመግለጺ ብሊንኪን ነጺጋቶ’ያ።

ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት፣ ነቲ ካብ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምወል ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘቅረቦ ጠለብ "ሓቢርና ነጻርዮ" ተሰማሚዐናሉ ኣለዋ።

ምስ መግለጺ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝቃዶ መግለጺ ዝውጸአ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምወል ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ "መባእታዊ ሪፖርት 'ወትሃደራት ኤርትራ ንበዝሖም ዘይተነጸረ ሰላማዊያን ሰባት ኣብ አኽሱም ከምዝቀተሉ’ ሓቢሩ እዩ" ከምዝበለ ዝዝከር እዩ።

"እቲ ሪፖርት ወሲኹ፣ ወትሃደራት ኤርትራ ነቲ ቅትለት አብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ኣብ ኣኽሱም ዝፈጸሙ፣ ቅድም ኢሉ ብሰራዊት ህወሓት ንዝተፈጸሞም መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ኢሎም ከምዝኾነ" ገሊጹ ነይሩ።

"ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንክወጹ’"ሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን ከምዝሓተቱ ይዝከር። መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ንህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣይቅበሉን። ብርክት ዝበሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ግና፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዘለው ገሊጾም እዮም።

XS
SM
MD
LG