ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ንድፊ ሕጊ ኣሕሊፉ


ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ
ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ

ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ፣ ‘ህድኣት፣ ሰላምን ዴሞክራሲን ንኢትዮጵያ’ ዝብል ሓድሽ ንድፊ ሕጊ ትማሊ ሰሉስ ኣሕሊፉ። እቲ ሓሙሽተ ነጥቢታት ዝሓዘ ንድፊ ሕጊ፣ ብቤት ምኽሪ ኣመሪካ እንተጸዲቁ፣ ውግእ ሕድ ሕድ ኢትዮጵያ መታን ከብቅዕ፣ ንምምሕዳር ኣመሪካ ተወሳኺ ስጉምቲ ንክወስድ ስልጣን ዝህብ እዩ።

እቲ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዘሕለፎ ንድፊ ሕጊ፣ ንውግእ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዘጋድዱ እገዳ ንክንበረሎም፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይልገሰሉ ዝነበረ ደገፍ ድሕነትን ፋይናንስን፣ ክሳዕ ንጠለባት ሰብኣዊን መሰላትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ዘማልእ ንክቋረጽ ይሓትት። ሕ/ሃ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ገበን ኹናት፣ ገበን ሰብኣዊነትን ከምኡ'ውን ተኽእሎ ጅምላዊ ህልቂትን ዝምልከት ሰነድ ከምዘለዎ እቲ ንድፊ ሕጊ ይገልጽ።

ሓሙሽተ ኣዕኑድ እቲ ንድፊ ሕጊ፣

1ይ፣ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ንዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያ ዝሕግዝ ውጥን ንክሕንጽጽ፣ ፈጸምቲ ግፍዒ ክሕተቱ፣ ናይ ጽ ል ኢ ዘረባ ንዘቃልሑ ክምክቶም፣

2ይ፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ፣ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሃገራዊ ልዝብ ከይካየድን ውግእ ንከየብቅዕን ዝዕንቅፉ: ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንዝፈጸሙ:ብልሽውና ዘጋድዱ ሰባት እገዳ ከንብረሎም፣

3ይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መጥቃዕቲ ክሳብ ጠጠው ዘብል፣ ሃገራዊ ልዝብ ክሳብ ዘሳልጥ፣ሰብኣዊ መሰላት ክሳብ ዘኽብር፣ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ዕንቅፋት ንክቀርብ ክሳብ ዝፈቅድን ተፈጺሞም ዝባሃሉ ገበናት ኹናት ክሳብ ዘጻሪን፣ ካብ ኣመሪካ ዝልገሰሉ ዝነበረ ናይ ድሕነት ደገፋት ንክቋረጽ፣

4ይ፣ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ውግእ ንከብቅዕ ክሳዕ ዝሕግዙን ሰብኣዊ መሰላት ክሳብ ዘኽብሩን፣ ካብ ባንኪ ዓለምን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ንዝረኽብዎ ሓገዝ ገንዘብ መንግስቲ ኣመሪካ ንክቃወም፣

5ይ፣ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ገበን ኣንጻር ሰብኣዊነት፣ ገበን ኹናትን ጅምላዊ ህልቂትን ‘ተፈጺሙ ወይ ኣይተፈጸመን’ ናብ ዝብል መደምደምታ ንክበጽሕ እቲ ንድፊ ሕጊ ወሲኑ ኣሎ።

ካብ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ዝረኸብናዮ መግለጺ ነቲ ንድፊ ሕጊ ናብ’ቲ ኮሚቴ ካብ ዘቅረቡ ሓደ ቶም ማሊኖውስኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ውግእ፣ ኣብ ዓለምና ሓደ ካብ’ቶም ዝበርትዑ ውግኣት ኮይኑ ከምዘሎ ክጠቅሱ ከለው፣ ብጻዮም ያንግ ኪም ድማ ከቢድ ውግእ ናይ ኢትዮጵያ፣ ንኣሻሓት ሰለማዊያን ሰባት ከምዘፈናቀለ፣ ንሚልዮናት ግዳያት ጥምየት ከምዝገበረን፣ ጠንቂ ካልኦት ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሮም ይብል ።

እዚ ብኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝቐረበ ንድፊ ሕጊ ቅድሚ ምትግባሩ፣ ብክልቲኦም ባይቶታት ኣመሪካ (ብቤት ምኽሪን ብሴነትን) ክጸድቅ ይግባእ።

XS
SM
MD
LG