ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ አኼባ አካይዱ


በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሮበርት ጎደክ ሎሚ ንኮሚቴ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ ዘስመዖ ቃል "መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናይ ባዕላዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ተግቢሩ ማለት፣ ምምሕያሽ ኣሎ ማለት ኣይኮነን፣ ኣብ ክንድኡ ኩነታት እናሓመቁ ይኸዱ ከምዘለው ሓባሪ እዩ" ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም "መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተወሳኺ ስጉምታት ክጽበዩ ኣለዎም። ኣብ ትግራይ ‘ራዕዲ’ ኣብ ዝቀጸለሉ እዋን፣ ተዓዘብቲ ጥራሕ ክንከውን ኣይንኽእልን" ከምዝበሉ ወኪልና ማርጋሬት ባሽር ዝላኣኸቶ ሓበሬታ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ "ንውግእ ኣብ ኢትዮጵያ" ዝግምግም ኣኼባ ሎሚ ከካይድ እዩ። ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካን ሓለፍቲ ትካል ረድኤት ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (USAID) ኣብ’ቲ መድረኽ ሪፖርት ከቅርቡ እዮም።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG