ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሴነት ኣመሪካ ነቲ ንሰላምን ዴሞክራሲን ኣብ ኢትዮጵያ ዝጽውዕ ሰነድ S.3199 ትማሊ ሰሉስ ኣጽዲቅዎ ኣሎ።
"ዕላማ እቲ ሰነድ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ሰላማዊ መዕለቢ ንክረክብ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ተጸበይቲ ብህጹጽን ብዘይምትዕንቓፍን ንክበጽሕ ከምኡ'ውን ፈጸምቲ ግፍዒ ናብ ሕጊ ንክቀርቡ ዘሕግዝ ከምዝኾነ" እቲ ውሳነ ይሕብር።
ንፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዝትንትን ኣቶ ላባን ስዩም ብወገኑ "ብዙሓት ሰባት S.3199 ንኢትዮጵያ በታኒ እዩ ዝብል ዝተጋገየ ገምጋም ኣለዎም። ብኣንጻሩ ንሓድነታ ዘሐይል እዩ" ይብል።
ብዘይካ'ዚ እቲ ብሴነት ኣመሪካ ንክጸድቅ ይስራሓሉ ዘሎ ሰነድ S.3199 ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ኣብ ውግእ ናይ ክልል ትግራይ ተሳትፎ ዘለዎም ክልላት፣ ከምኡውን ንመንግስታት ቱርኪን ዓረብ ኢማራትንን ከምዝምልከት’ውን ኣቶ ላባን ሓቢሩ ኣሎ።
መስርሕ ኣፈጻጽማ ምጽዳቕ ሕጊ ኣመሪካ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ "ሴነትን ቤት ምኽሪን ኣመሪካ፣ ኣብ ሓደ ጉዳይ ተዘራሪቦም ነናይ ባዕሎም ሰነዳት ከምዘዳልው፣ ካብኡ፣ ካብ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ዝተወከሉ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝጸደቁ ሰነዳት መኺሮም ሓደ ሓባራዊ ሰነድ ኣዳልዮም ናብ’ቶም ኣብያተ ምኽሪ ከምዝመልስዎን፣ ብክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ዝጸደቐ ሓባራዊ ሰነድ ናብ ፕረዚደንት ከምዝላኣኽን" የረድእ።
ኣቶ ላባን ስዩም ወሲኹ "ፕረዚደንት ኣመሪካ ነቲ ካብ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ዝተቐበሎ ሰነድ እንተደልዩ ብፊርምኡ የጽድቆ’ሞ ሕጊ ኣመሪካ ይኸውን፣ እንተዘየለ ድማ ብዘለዎ ስልጣኑ ይነጽጎ" ይብሉ።