ዋሽንግተን —
ባይቶ መወሰኒ ሕጊ ኣመሪካ ንመግቢ ከም ወተሃደራዊ መሳርሒ ዝጥቀሙ ሓይልታት ብተሓታታይነት ክትሕዝ ዘተሓሳሳብ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ኣባል`ቲ ኮሚቴ ዝኾነ ሰነተር ራይሽ ኣብ ዘሐለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ: ደቡብ ሱዳን: ሶርያን የመንን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ንምህርቲ ሕርሻታት ኮነ ኢሎም ከም ዘዕንዉን ኣብ ቀረባት ምትዕንቓፋት ከምዝፈጥሩን ተዛሪቡ።
ንሩስያ`ውን ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ጥምየት ብምስዓብ ከሲሱዋ`ሎ።
መንግስቲ ኣመሪካን መሻርኽቱን ነቶም ንመግቢ ከም መሳርሒ ዝጥቀሙን ኣተሓባበርቶምን ብተሓታታይነት ክሕዞም እቲ ኮሚቴ ሰነት ሓቲቱ`ሎ።