ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት ኣመሪካ ትማሊ ሓደ ታሕሳስ ኣብ ዝተጋብኦ፡ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዝምልከት በበይኖም ኣርእስታት ደኣ የልዕል እምበር፡ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብቶም ኣተኵሮ ዝተገብረሎም ኣርእስታት’ዮም ነይሮም። ተወላዲት ሶማል ዝዀነት ተወካሊት ሚኒሶታ ኢልሃን ዖመር ሓንቲ ካብቶም ንጉዳይ’ቲ ዞባ ኣመልኪታ ሕቶታትን ጻውዒትን ዘቕረበት’ያ ነይራ።
ቀዳማይ ሕቶ ኢልሃን ነቲ ኮሚተ፡ ንኣብ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ዝተባህለ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ዝምልከት ውጽኢት መጽናዕቱን ዝምልከቶ ሕጋዊ መስርሕን ዘቕርበሉ መዓስ’ዩ ዝብል’ዩ ነይሩ። ብጸሓፊት እቲ ኮሚተ ንኢልሃን ዝተዋህበ መልሲ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ነቲ ግጭት ንምዕራፍ ብዲፕሎማሲያዊ ኣገባብ ይሰርሑ ከም ዘለዉ’ዩ። ቀዳምነታት ናይቲ ኮሚተ ድማ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒን መቕተልትን ብህጹጽ ደው ዝብለሉ መገዲ ምንዳይ ምዃኑ ጸሓፊት ኮሚተ ሞሊ ፊ ትሕብር። ስለዚ ከኣ ትብል ሞሊ ፊ እቲ ኮሚተ ውጽኢት ገምጋሙ፡ ግዜን ዕድልን ንምሃብ፡ ንደገ ከየውጽኦ ብውሽጢ ክሰርሕ ከም ዝወሰነ ገሊጻ። ጸሓፊት ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት ኣመሪካ ወሲኻ፡ ኰይኑ ግን እቲ ኮሚተ ደቂቕ መጽናዕቱ ከም ዘካየደን ገና’ውን የካይድ ምህላዉን ሓቢራ።
ፊ ወሲኻ፡ ነቲ ዘሎ ግጭት ዘጋድ ድ ዘሎ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንጽልኢ ዝዕድም ምቅላሕ ጽሑፋት ብሕልፊ ድማ ብኣብ ደገ ዝነበሩ ተወላዶ ኢትዮጵያን ኣካል መንግስቲ ኢትዮጵያን ደው ክብል እቲ ኮሚተ ከም ዝተዛራረበ ጠቒሳ።
ወሲኻ ኢልሃን ዖመር “ከም ሕብረት ኢማራት ዓረብ፡ ኢራን፡ ቱርኪን ቻይናን ዝኣመሰላ ሃገራት ብቐጻሊ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ድሮንን ካልኦት ኣጽዋርን የዕጥቕኦ ከም ዘለዋ ጸብጻባት ስለ ዘሎ፡ ብእገዳ ኣጽዋር ክንገብር ግዜኡ’ዶ ኣይኰነን፧ ነቶም መሓዙትና ሃገራት ንመንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ምዕጣቕ ከቋርጹዎ’ኸ ክንነግሮም ግዜኡ’ዶ ኣይኰነን፧” ኢላ።
ብወገን ኮሚተ ንኢልሃን ዝተዋህበ መልሲ፡ እገዳ ኣጽዋር ሓደ ካብቲ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሓዊስካ ዘዘራርብ ዘሎ ኣርእስቲ ምዃኑ’ዩ።
ካልእ ብኢልሃን ዖመር ዝተላዕሉ ጉዳያት ብሰንኪ’ቲ ኲናት ንዝሰፍሐ ግፍዒን ሓደገኛ ጕዕዞን ዝተቓልዑ ጉዳይ ስደተኛታት፣ ንኣብ ሶማል ዝርአ ዘሎ ምድንጓይ ምርጫ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዝምልከትን ተራ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ከመይ ምዃኑ ምሕታት’ዩ።