ዓለምለኸ ትካል ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝዘርግሖ ዓመታዊ ጸብጻብ እሱራት ጋዜጠኛታት ፡ ኤርትራ ን16 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ትሽዓት ጋዜጠኛታት ኣሲራ እትርከብ ኢትዮጵያ ድማ ኣብቲ ምድብ ስዒባ ካልኣይቲ ኮይና ኣላ። እቲ ትካል ክሳብ 1 ታሕሳስ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለዉ ጋዜጠኛታት’ዩ ዝጽብጽብ።
ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ ጸብጻብ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ኣብ ምሉእ ዓለም 293 ጋዜጠኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክህልዉ እንከለዉ፡ 50 ጋዜጠኛታት ሓዪራ ዘላ ቻይና ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ካብ ኣፍሪቃ ድማ ግብጺ 25 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ነቲ ዝርዝር ትመርሕ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ 24 ጋዜጠኛታት ብሰንኪ ሞያኦም ከም ዝተቐትሉ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ይሕብር።
እቲ ትካል ካብተን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዓቢ ምንቍልቋል ድሕነት ጋዜጠኛታት ዝተራእየን ኢሉ ብፍሉይ ንቤላሩስን ኢትዮጵያን ጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ምስ ህወሓት ትደናገጹ ኢኹም ብዝብል ምስምስ ኣደዳ ማእሰርቲን ምክልባትን ከም ዝዀኑ የመልክት።