ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚተ ናይ ወልቃይት ኣምሓራ መንነትን ኣብን ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ከካይድ ንዝወጠኖ ምርጫ ተቓዊሞም


ህውሓት: ካብ ክልል ኣምሓራ ወሲዱ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጠቓለሎም ዝተባህሉ ናይ መሬት ጉዳይ መፍትሒ ከይረኸበ ምርጫ ምክያድ ኣይክእልን ክብሉ ኮሚተ ናይ ወልቃይት ኣምሓራ መንነትን ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኣምሓራን ኣፍሊጦም።

ምርጫ ቦርድ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ክካየድ ዝተወጠነ ምርጫ ምንጻጉ ድማ ግቡእ ግብረ መልሲ'ዩ ክብሉ ን ኢዶም።

ክልቲኦም ምንቅስቃሳት ነዚ ተቓውሞ ናብ ቤት ምኽሪ ፈደራል ከምዘቕርቡ'ውን ሓቢሮም ኣለው።

ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ'ታ ሃገር ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ሃገራዊ ምርጫ'ታ ሃገር ናብ ካልእ ጊዜ ክመሓላለፍ ዘቕረብዎ ውሳነ ዘይተቐበለ ህውሓት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተወሰነ ጊዜ ምርጫ ከምዝካየድ ይገልጽ'ሎ።

ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኼሽን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ታደሰ ብወገነን እዚ ንናይ ራያን ወልቃይትን ህዝቢ ጉዳይ ንሕና ንፈልጥ ናይ ዝብሉ ወገናት ሓሳብ'ዩ ክብላ ነቲ ዝለዓል ሕቶታት ነጺገን።

XS
SM
MD
LG