ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚተ መርመራ ናዕቢ ካፒቶል ሂል ምስማዕ ምስክርነት ቀጺሉ ሎ


ምስማዕ ምስክርነት ዝነብረ ናዕቢ ካፒቶል ሂል
ምስማዕ ምስክርነት ዝነብረ ናዕቢ ካፒቶል ሂል

ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ናዕቢ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ዘጻሪ መርማሪ ኮሚቴ ጥሪ 6፡ ሎሚ ሰኑይ`ውን ቃለ-ምስክርነት ናይ ምስማዕ መድረኽ ቀጺሉ ውዒሉ`ሎ። እቲ ናይ ሎሚ መድረኽ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ መጥቃዕቲ ንዝነበሮ ተራ ኣተኩሩ`ሎ።

ኣብ ህንጻ ካፒቶል ሂል ማለት ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ዝተላዕለ ናዕቢ ብሰንኪ ምስሕሓብ ውጽኢት ምርጫ ዝተላዕለ ኮይኑ፡ፕረዚደንት ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ እቲ ውጽኢት ምርጫ 2020 ተሰሪቑ`ዩ ኢሉ ስለዝኣመነ`ዩ ዝብል ተሓታትነት`ዮም ዘስምዑ ዘለዉ ኣባላት`ታ መርማሪት ኮሚቴ። ትራምፕ ኣብቲ እዋን ከምዚ ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ ኔሩ።

“ብዘይ፡ንሕስያ ክትዋግኡ ኣለኩም። ብዘይ፡ንሕስያ እንተዘይተዋጊእኩም፡ ድሕሪ ደጊም ሃገር ኣይክጥልወኩምን`ያ።

ነዚ መሰረት ጌሩ ዝተዛረበ ኣባል መርማሪት ኮሚቴ ዝኾነ ደሞክራት ኣዳም ሺፍ፡ ንተሓታትነት ልዕሊ`ዚ ምስክር ከምዘየለ ይገልጽ።

“እቲ መረዳእታ ሓያል`ዩ። ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ምርጫ`ውን ነቲ ውጽኢት ምርጫ ከምዝጠራጠሮ`ዩ ዝገልጽ ኔሩ። እቲ ሓሶት ድሕሪ ምርጫ`ውን ቀጺሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናዕቢ ተወሊዑ ናብ መጥቃዕቲ ካፒቶል ሂል ኣምሪሑ።"

ኣባላት`ታ መርማሪት ኮሚቴ ነታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ዕለት ጥሪ 6,2021 ክዝክሩ ከለዉ፡ ፕረዚደንት ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ፡ ደገፍቱ ጎንጻዊ ስጉምቲ ክወስዱ ከለዉ ስጉምቲ ኣይወሰደን ይብሉ። ገሊኦም`ውን ነቲ ወግዓዊ ውጽኢት ምርጫ ዝመርሖ ዝነበረ ምኽትል ፕረዚደንት ዝነበረ ማይክ ፐንስ ነቲ ውጽኢት ንምዕጻፉ ስጉምቲ እንተዘይወሲዱ ክሕነቕ ኣለዎ ዝብል ጭርሖታት የስምዑ ኔሮም።

ኣብቲ መርማሪ ኮሚቴ ካብ ዘለዉ ክልተ ሪፓብሊካን ሓንቲ ዝኾነት ሊዝ ቸኒ፡ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ትራምፕ ኢልዎ ዝበለቶ ብምጥቃስ ከምዚ ኢላ ኔራ፡

“ኣማኸርቱ ነቲ ናዕቢ ደው ከብሎ ገለ ክገብር ክሓትዎ ከለዉ ይቑጣዕ ኔሩ። ብዛዕባ`ቶም ናዕበኛታት ዝብልዎ ዝነበሩ ንምሕናቕ ማይክ ፐንስ ዝምልከት`ውን ፈሊጡ ኔሩ። 'ምናልባት ደገፍትና ጽቡቕ ኣለዉ ክኾኑ ይኽእሉ`ዮም ማይክ ፐንሲ ናይ ኢዱ`ዩ' ክብል ተዛሪቡ ኔሩ`ዩ።"

ሊዝ ቸኒ ኣተሓሒዛ እቶም ኣንጻር ትራምፕ ጠጠው ክብሉ ዘይክኣሉ ሪፓብሊካን ብጾታ ዝሓዝዎ መርገጽ ዘሕፍር ምኻኑ`ያ ተዛሪባ።

ካልኦት ኣብ ናታ ፓርቲ ዘለዉ ግን ንቕድሚት`ምበር ንድሕሪት ኣይንጠምት ዝብል ርእይቶ ዘንጸባርቑ ኣለዉ። ካብ ነብራስካ ዝተወከለ ሪፓብሊካን ዶን በይከን ሓደ ካብኦም`ዩ።

“ኣነ ብኸምዚ`የ ዝርእዮ። ትራምፕ ከይዱ`ዩ። ንቕድሚት ኢና ክንጥምት ዘለና። ርግጽ`ዩ ጌጋ`ዩ ጌሩ። ኣንጻር`ቲ ናዕቢ ዓው ኢሉ ክዛረብ ኔርዎ። ብዝኾነ ነቲ ውጽኢት መርመራ ክንርእዮ ኢና። ጠበቓ ሕጊ ኣይኮንኩን ። ብዛዕባ ሕጋውነቱ ግን ትሑት እምነት`ዩ ዘለኒ።"

ኣብቲ መድረኽ፡ ኣባላት ፓሊስ`ውን ቃለ-ምስክርነቶም ሂቦም`ዮም። ካሮሊን ኤድዋርድስ ዝተባህለት ሓንቲ ካብኦም `ያ ከምዚ ትብል፡፡

“እቲ ዝረኣኽዎ ዓውደ ኩናት`ዩ ዝመስል። ኣብ ፊልም ዝረኣኽዎ ዓይነት`ዩ ዝመስል። ዓይነይ ክኣምን ኣይክኣልኩን። ኣባላት ፖሊስ ኣብ ምድሪ ተሰጢሖም ክደምዩ ርእየ። ዘምልሱ`ውን ኔሮም።ብጾተይ ብደም ተሓጺቦም ይርእዮም ኔረ። ኣብ ደም ሰባት`የ ሸታሕታሕ ዝብል ኔረ።"

ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ዛጊት ልዕሊ 800 ሰባት ተኣሲሮም`ዮም። ትራምፕ ብወገኑ ነቶም ኣባላት መርማሪት ኮሚቴ ፖለቲካዊ ጉጅለ ረብሓ ክብል ጠቂንዎም`ዩ።

እቲ ኣብ ህንጻ ካፒቶል ሂል ዝተፈጸመ ናዕባዊ መጥቃዕቲ፡ ሕጂ ዘሎ ደሞክራት ፕረዚደንት ጆ ባይደን መበል 46 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ቃለ-ማሕላ ቅድሚ ምፍጻሙ ክቅድሚ ክልተ ሰሙን`ዩ ኔሩ።


XS
SM
MD
LG