ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስ ኣብ አዲስ አበባ ብሄር ተኮር ማእሰርቲ ይካየድ'ሎ ንዝብል ጸብጻባት ይነጽግ


ኮሚሽን ፌደራል ፖሊስ ንምትግባር ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ስዒቡ ብሄር ዝጠመተ ማእሰርቲ ይካየድ ከምዘሎ ዝገልጹ ዝወጹ ዘለው ፀብፃባት ሓቂ ኣይኮነን ኢሉ።

ሓላፊ ኮሚኒኬሽን እቲ ኮሚሽን ኣቶ ጄይላን ኣብዲ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል እቲ ኣዋጅ መሰረት ብምግባር ብዝተኻየደ ምርመራ ብዙሓት ሰባትን ኣፅዋርን "ንተግባራት ጥፍኣት ዝሕግዙ’’ ኢሎም ዝፀውዕዎ ናውትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ተዛሪቦም።

ኣማኻሪ ጉዳያት ጃምላዊ ህልቂት ንዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዋሪሙ ንዴሪቱ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዘውፅእኦ መግለፂ ናይቲ ውድብ ሰራሕተኛታት ሓዊሱ ተወለድቲ ትግራይ ይእሰሩ ኣለው ክብላ ብትሪ ከምዝኹንነኦ ገሊጸን ነይረን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ ትግርኛ ዘዘራረቦም ገለ ተወለድቲ ትግራይ ግን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ብስፍሓት ጃምላዊ ማእሰርቲ ይፍፀም ከምዘሎ ገሊፆም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG