ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ዕርቅን ሰላምን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ምስ ምምሕዳር’ቲ ክልል ልዝብ ምክያዶም ገሊጾም


ኮሚሽን ዕርቅን ሰላምን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘካይዶ ዘሎ መስርሕ ሰላምን ዕርቂን ብዝምልከት ምስ ምክትል ምምሕዳር’ቲ ክልል ልዝብ ምክያዶም ገሊጾም።

እቲ ኮሚሽን ኣብ መንጎ’ቲ ህዝቢ ከይተፈልጠ ዝሰፈነ ሕነ ምፍዳይን ቅርሕንቲን ጽልእን ብመጽናዕትን ባህልን’ቲ ከባቢ መሰረት ዝገበረ መፍትሒ ንምንዳይ ይስራሕ’ሎ ኢሉ’ሎ።

አካቢ’ቲ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላምን ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ አባሱራፌል ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ቂምን ጽልኢን ብናይ ሓቂ ፍትሒ መሰረት ዝገበረ ዕርቂ ክወርድ ይግባእ፡ ኮሚሽኑ ድማ ነዚ ንምትግባር ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ስራሑ ጀሚሩ ኢሎም። ንሶምእቲ ምስ ምምሕዳር ክልላት ዝካየድ ልዝብ ድማ ናይዚ አካል’ዩ ክብሉ ወሲኾም አረዲ ኦም።

ኣመሓዳሪ’ቲ ክልል ኣቶ ርስቱ ይርዳው ብወገኖም ሰላም’ቲ ክልል ምርግጋጽ ብቐዳምነት ዝስራሓሉ ምዃኑን ብምግላጽ ‘ቲ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕ ብቅልጡፍ ክዛዘም ድማ ናይቲ ክልል መንግስቲ እኹል ድጋፍ ከምዝገብር ሓቢሮም።

እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ከምዝተዘራረበ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG