ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ስደተኛታት ሕ/ሃገራት፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ንምጥያስ 205 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ይሓትት


16 ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ብሰንኪ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያ ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ኣስታት 2 ሚልዮን ኢትዮጵውያን ንምጥያስ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣስታት 205 ሚልዮን ዶላር ባጀት ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ኮሚሽን መብዛሕትኦም ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ዘለዉ ምዃኖም ተወሰኽቲ ኣስታት 600-ሽሕ ዝበጽሑ ግን ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ግዒዞም ምግዓዞም ይሕብር።

ወሃቢት-ቃል እቲ ኮሚሽን ዝዀነት ሻቢያ ማንቱ፡ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪታ፤“እቶም እንኮላይ ስደተኛታት ዘጠቓልሉ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ፡ ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ከልበትበት፡ ሰብኣዊ ጥሕሰት፡ ስእነት መሰረታዊ ቀረባትን ኰይኖም’ዮም። ንኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን የዕቊቡ ዝነበረ መዓስከራት’ውን ብምፍራሱ ድማ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ኣደዳ ምጕስቓልን ተደራቢ ስቓይን ገይሩዎም’ዩ፡” ትብል።

እቲ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምልሓሙ፡ ብድምሩ ኣስታት 2 ሚልዮን ዜጋታት ተመዛቢሎም ኣለዉ።

እቲ ተሓቲቱ ዘሎ ባጀት፡ ንመስርሒ ኣባይቲ፡ በቲ ኲናት ግዳያት ንዝዀኑ (ብቐንዱ ድማ ህጻናትን ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝወረደን ኣደታትን) ንምሕጋዝ፡ ተሰዲዶም ንዘለዉ ስደራቤታት ምስ ተመልሱ ንመጣየሲን ምዃኑ እታ ወሃቢት-ቃል ወሲኻ ተረድእ።

እቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ ካብቲ ቀሪቡ ዘሎ መጠን ኣስታት 16 ሚልዮን ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ጂቡቲ፡ ኬንያ፡ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ንዝገዓዙ ኢትዮጵውያን ስደተኛታት ክውዕል’ዩ።

XS
SM
MD
LG