ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰ/ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ዘጋጠመ ግጭት ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ


ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ባንዴራን መዝሙርን ክልል ኦሮሚያ ምስ ምስቃልን ምዝማርን ተኣሳሲሩ ብዝተላዕለ ግጭት ኣብ ልዕሊ ተማሃሮን ንብረትን ጉድኣት ምውራዱ ዝጠቐሰ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ናይ ሓደ ክልል ባንዴራ ኣብ ካልእ ክልል ወይ ናይ ከተማ ምምሕዳር ኣብ መንግስታዊ ኾነ ናይ ውልቂ ትካላት ክስቀል ኣለዎ ዝብል ሕጊ የለን ክብል ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብኣፋን ኦሮሞ ትምህርቲ ኣብ ዝወሃበለን ቀዳማይን ካልኣይን ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ክልል ኦሮሚያ ባንዴራ ንምስቃልን መዝሙር ንምዝማርን ኣብ መንጎ ነዚ ዝቃወሙን ዝድግፉን ተማሃሮ ብዘጋጠመ ምስሕሓብ ግጭት ተላዒሉ፣ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት፣ኣብ ልዕሊ ንብረት ድማ ዕንወት ወሪዱ፣ምምሃር ምስትምሃር ተሰናኺሉ ይብል።ተማሃሮን፣መምህራንን ሓለፍትን ናይ ዝተወሰና ኣብያተ ትምህርቲ ብፖሊስ ተኣሲሮም ከምዝነበሩ እውን ይገልፅ።

እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ ምክልባትን ጃምላዊ ማእሰርትን ቆልዑ ተቐባልነት ዘይብሉ ብምዃኑ ንቕድሚት ክድገም የብሉ ይብል።ንዝምልከቶም ወገናት ብምዝርራብ ነቲ ጉዳይ ከምዘፃረየ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ብኣፋን ኦሮሞ ዝምሃሩ ተማሃሮ ባንዴራ ናይ ምስቃልን መዝሙር ክልል ኦሮሚያ ንምዝማርን መሰል ኣለዎም ብዝብል ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ጎኒ ባንዴራ ፌደራል ናይቲ ክልል ክስቀልን ነቲ መዝሙር ድማ ኩሎም ተማሃሮ ክዝምሩ ስለዝተገበረን ብዝተለዓለ ምስሕሓብ እቲ ግጭት ከምዘጋጠመ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ንባዕሉ ናይ ምምሕዳር ምሉእ ስልጣን ከምዘለዎን ተፀዋዕነቱ ድማ ንፌደራል መንግስቲ ምዃኑን ንዓንቀፅ ሕገ መንግስቲ ብምጥቓስ ዝገለፀ እቲ ኮሚሽን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ክልል ኦሮሚያ ስለዝርከብ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ተፈጥሮን ንክልቲኦም ዘተኣሳስሩ ጉዳያትን ብዝምልከት እቲ ሕገ መንግስቲ ፍሉይ ረብሓ ክልል ኦሮሚያ ዝሕሉ ምዃኑን እንተገለፀ እውን ዝርዝሩ ክሳብ ሎሚ ግን ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣይወፀን ኢሉ።ናይ ሓደ ክልል ባንዴራ ኣብ ካልእ ክልል ወይ ናይ ከተማ ምምሕዳር ኣብ መንግስታዊ ኾነ ናይ ውልቂ ትካላት ክስቀል ኣለዎ ዝብል ሕጊ የለን እውን ኢሉ።

ተመሳሳሊ ምስሕሓብ ከይፍጠር ዝምልከቶም አካላት ብግልፂ ክዝትይሉን ብሕጋዊ ኣገባብ ክፍፀን እቲ ኮሚሽን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG