ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰ/መሰላት ኢትዮጵያ ፈጻሚ ኣብ ወለጋ ዝተኻየዱ ቅትለታት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ/ሸኔ'ዩ ኢሉ


ኮሚሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ
ኮሚሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ወለጋ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈፀሙ ቅትለታት መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ሸኔ' ኢሉ ዝፅውዖ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ጉጅለ እዩ ፈፂሙዎ ኢሉ።

እቲ ኮሚሽን ነዚ ዝገለፀ ካብ ሰነ 2013 ክሳብ ሰነ 2014 ዘሎ ዓመታዊ ፀብፃብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሎሚ ዓርቢ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ እዩ።

ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ጉጅለ ግን ነቶም ክስታት ይነፅጎም።

ኮሚሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ብሓይልታት መንግስትን ካብ መንግስቲ ወፃኢ ብዘለው ዕጡቓት 'ኣዚዮም ዝኸፍኡ’ ኢሎም ዝፀውዕዎ መግሃስታት ምፍፃሞም ነቲ ፀብፃብ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG