ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰ/መሰላት ኢትዮጵያ: ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ጥሕሰት ሰ/መሰላት ፈጺሞም ዝብል ጥርዓናት ከምዝበጽሖ ገሊጹ


ኮሚሽን ሰ/መሰላት ኢትዮጵያ
ኮሚሽን ሰ/መሰላት ኢትዮጵያ

ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከበድቲ ክብሃሉ ዝኽእሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምፍፃሞም ጥርዓናት ከምዝበፅሖ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

"ከም ገለልተኛ ተቋም ስፍሕ ዝበለ ምርመራን ምፅራይን ክንገብር ኢና’’ክብሉ ናይቲ ኮሚሽን ዋና ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብዚ ቅኒያት ኣብ ዝተቖፃፀሮም ናይ ኣምሓራን ዓፋርን ከባቢታት ህወሓት ብኣማኢቲ ንዝቑፀሩ ስቪላት ቀቲሉ ንብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብኣስገዳድ ደፊሩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ብህወሓት ተፈፂሞም ንዝተባህሉ ተደጋገምቲ ክስታት መራሕቲ እቲ ውድብ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝሃቡዎም ርእይቶታት ነቶም ክስታት ከምዘይቕበሉዎም ምግላፆምን ዓለምለኸን ገለልተኛን ዝኾነ አካል ምርመራ ይካየድ ክብሉ ምሕታቶምን ይዝከር።

XS
SM
MD
LG