ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰ/መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሰፊሕ ግህሰት ምፍጻሙ ኣፍሊጡ


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰፊሕ ሰብኣዊ መግሃስታት ምፍፃሞም ብመርመራ ከምዝረጋገፀ ኣፍሊጡ። ሓይልታት ትግራይ ፆታዊ ዓመፅን መጥቓዕትን ናይ ኵናት ዕላምኦም ንመሰጎሚ ከምዝተጠቐምሎም መረዳእታ ከምዘሎ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ትግራይ ካብ ሓምለ 2013 ጀሚሮም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዝኸፈትዎ ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ንቦታትት ምቁፅፃሮም ስዒቡ ሰፊሕ ሰብኣዊ መግሃስታት ምፍፃሞም እቲ ኮሚሽን ሎሚ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ መርመራ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳንኤል በቀለ ብርክት ዝበሉ መግሃስታት ምፍፃሞን ገሊኦም ገበናት ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈፀመ ናይ ኵናት ገበን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ደምዲምና ኣለና ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ኣብ ኵናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ንዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊነት ብዝጥሕስ መልክዑ ከቢድ ኣፅዋር ተኲሶም፣ናይ ኣየርን ድሮንን ደብዳብ ፈፂሞም ኢሎም።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን መርመራ ኣብ ዘካየደሎም ቦታታት ኮነ ተባሂሎም ዝተፈፀሙ ዘይሕጋዊ መቕተልቲ ከይሓወሰ ኣብ እዋን እቲ ኵናት ዝወረደ ናይ ህይወትን ኣካልን ጉድኣት ብውሑዱ 300 ሰላማዊያን ምሟቶም ካልኦት 39 ድማ ምቑሳሎም ሓቢሮም።

ኮሚሽነር ዳንኤል ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሓዱሽ ኣካል ብምጥያሹ ነቲ መርመራ ብሓባር ንምክያድ ከምዘይተኽኣለ ገሊፆም ኣለው።

ህወሓት ቅድሚ ሎሚ ብተደጋጋሚ ከምዝገለፆ ንናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ይኹን ንውፅኢት ምርመራ ኣይቕበልን ምባሉ ይፍለጥ ይብል ።

XS
SM
MD
LG