ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰ/መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዝተዘግሓ ቕትለት ዘርእይ ቪድዮ ሓይልታት መንግስቲ ዝፈጸምዎ'ዩ ክብል ገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ሰባት ካብ መኪና ክወርዱ ምስ ተገብረ ብጃምላ ክቕተሉ ዘርኢ ዘስካሕክሕ ቅትለት ስሩዕን ዘይስሩዕን ሓይልታት መንግስቲ ዝፈፀሙዎ እዩ ክብል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ ተግባር ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተፈፀመ ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘካይዶ ምርመራ ምርግጋፁ ንድምጺ ኣመሪካ ዝገለፀ ላዕለዋይ ዳይረክተር ክትትልን ምርመራን ሰብኣዊ መሰላት ኣቶ ይበቃል ግዛው እቲ ቪዲዮ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ መረዳእታ ተወሳኺ ሓይልታት መንግስቲ ኣብቲ ተግባር ምስታፎም ከምዝሕብር ገሊፁ።

እቲ ተግባር ዝተፈፀመ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ብኽልተ ፅዕነት ዘምፅእዎም ኣባላት ኦነግ ሸኔ ዝበሉዎም ኣስታት 30 ሰባት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ወረዳ ጨፋ ብጃምላ ብጥይት ከምዝቐተሉዎም "ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ዝተፈፀሙ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት’’ ብዝብል ኣርእስቲ ፀብፃብ ኣውፂኡዎ ከምዝነበረ ኣቶ ይበቃል ሓቢሩ።

በቲ ኮሚሽን ዝወሃቡ ምኽርታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ፃዕሪ ከምዝገብር መንግስቲ ብተደጋጋሚ እንተገለፀ እውን ኣብ ዙሪያ እዚ ቅትለት ግን ዝተዋህበ ግብረ መልሲ የለን።

XS
SM
MD
LG