ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰ/መሰላት ኢትዮጵያ ኣባላት ጸጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ጉድኣት ምብጽሑ ኣፍሊጡ


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ 23 ለካቲት መበል 137 በዓል ዓድዋ ንምኽባር ናብ ምኒሊክ ኣደባባይ ምንሊክ ኣብ ልዕሊ ዝወፀ ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ብዝተወስደ ልዕሊ ዓቐን ስጉምቲ ሞት ሓዊሱ ጉድኣት ከምዝወረደ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኮምሽን ዳይረክተር ክፍሊ ሕግን ፖሊስን ታሪኳ ጌታቸው ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ሓይልታት ፀጥታ ብዝወሰዱዎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብውሑዱ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ኣረጋጊፅና ኣለና ኢላ።ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ዝተኣሰሩ ሰባት ከምዘለው እውን ገሊፃ ኣላ።

ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ካብ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ብዝተተኮሰ ጥይት ሓደ ኣባለይ ተቐቲሉ ክብል ኣፍሊጡ። እቲ ግዳይ ሚሊዮን ወዳጆ ዝተባህለ መምህር ፊዚክስ ካል ኣይድ ደረጃ ምኒልክ ምዃኑ ውን እቲ ምንቅስቓስ ሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ኦሮቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሃገረ ስብክተ እውን ኣብ ቀፅሪ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ህይወት ሓደ ኣማኒ ጠፊኡ ኣሎ ክብል ገሊፁ።

ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣካላት ፀጥታ ፈጠርቲ ህውከት ንምዕጋስ ኣብ ዝገብሩዎ ፃዕሪ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ ሒደት ኣመንቲ ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ ክብል ገሊፁ እዩ።

XS
SM
MD
LG