ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ(ኢሰመኮ) ኣብ ዘውጽኦ ሓዲሽ መግለጺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ኦሮምያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ሰፊሕ ግህሰት፡ ካብ መንግስቲ ህጹጽ ስጉምቲ ዝሓትት`ዩ ኢሉ`ሎ።
ኣብዚ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ኣብ`ታ ሃገር ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣብ ከቢድ ሓደጋ እናወደቐ ምቕጻሉ ዝገለጸ ኢሰመኮ፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቕትን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዝፈጸሙ ግህሰታት ንሰለማዊ ህዝቢ ንሞትን ከርተትን ከምኡ`ውን ዘረፋን ኣካላዊ መጉዳእትን ኣቃሊዕዎ ከምዘሎ ጠቒሱ።
ኣብቶም ከባብታት ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጉጅለታት ብዓይነቶምን ብብዝሖምን ናይ ምውሳኽ ወይ ናይ ምትሕልላኽ ዝንባለ የርእዩ ከምዘለዉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ድማ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ንገለ ቀበሌታት ወይ ወረዳታት ተቖጻጺሮም ከምዝጸንሑ እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ`ሎ።
ኣብቲ ግጭት ቀንዲ ተዋሳእቲ ኮይኖም ዘለዉ ድማ፡ ዕጡቓት ኣምሓራን ብልምዲ ኦነግ ሸኔ ተባሂሎም ብመንግስቲ ዝጽውዑን ምዃኖም ድሕሪ ምጥቃስ ድማ፡ መንግስቲ ግቡእ መርመራ ከካይድን ዜጋታት ንምሕላው ሓላፍነቱ ክፍጽምን ተማሕጺኑ`ሎ።