ዋሽንግተን —
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ዩክሬን ዝፈጸሞ ደብዳብ ተወንጫፊ ማዕረ ገበን ኲናት ከምዝቁጸር ኣፍሊጡ።
ብመሰረት’ቲ ኮምሽን ዝሃቦ መግለጺ ብሰንኪ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበላ ከተማታት ዩክሬን ዝፈጸመቶ ደብዳብ፣ ብውሑድ 22 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 100 ሰባት ድማ ከምዝቆሰሉ ተፈሊጡ ኣሎ ይብል።
እቲ ደብዳብ ዝተዋደደ እዩ ዝመስል ዝብለ እቲ ሪፖርት፣ መጥቃዕቲ ዝፍጸመሉ ሰዓታት ሰባት ካብን ናብን ስራሕ ኣብ ዝመላለስሉን ወለዲ ንቆልዑ ናብ መዋእለ ህጻናት ኣብ ዝወስድሉን ሰዓታት ኮይኑ ኣሎ ይብል።