ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ እሱራት ክልል ኦሮምያ ከምዘተሓሳስቦ ገሊጹ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሕጊ ንምኽባር ዝውሰድ ስጉምቲ ሕጊ ዝተኸተለ ክኸውን ኣለዎ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ጸዊዑ ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮሚያ ኣብ ዝርከቡ 21 ኣብያተ ማእሰርቲ ናይ እሱራት ኣተሓሕዛ ብዝምልከት ንሰለስተ ኣዋርሕ ክትትል ገይረ ኢሉ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት እሱራት ከምዘተሓሳሰቦ ሓቢሩ።

እቲ ኮሚሽን ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ብፍላይ ቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተው ተጠርጠርቲ ሓዊሱ ዝተታሓዙ ሰባት በዝሒ ዘለዎም እሱራት ዝርከቡሎም ኣብያተ ማእሰርቲ ተደጋጋሚ ጥርዓናት ዝቕርቡ እዮም ኢሉ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ 21 ዝተመረፁ ኣብያተ ማእሰርቲ ምስ እሱራትን ሓለፍቲ ናይቶም ኣብያተ ማእሰርትን ምዝርራቡን ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ እቲ ክልል ብምፍላጥ መልሲ ክወሃቦም ምሕታቱን ገሊፁ ኣሎ።ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰባት ኣተሓሕዛ ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ቕልጡፍ ምላሽ ዘድልዮን እዩ እውን ኢሉ ኣሎ።

ካብ ሰበስልጣን ክልል ኦሮሚያ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን ።

XS
SM
MD
LG