ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ጉዳይ ተመዛበልቲ ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ወሎ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ጃራን ጃሬን ዝነብሩ ሰባት ንኣተሓሕዘኦም ዝምልከት ምርመራ ይገብር ምህላው ኣብዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ። ኣብቲ መግለፂ ዝተጠቐሱ ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዶ/ር ዳንኤል በቀለ፣ እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ጉዳይ ካብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራውን ኣካላት ፀጥታን ይእክቦ ንዘሎ ሓበሬታ ዘካተተ ፀብፃብ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ከምዝገብር ተዛሪቦም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቶም ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ መዓስከራት ሰመራን ኣጋቲናን ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተታሒዞም ዝፀንሑ ተወለድቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ክምለሱ ምጅማሮም እውን ኣብ መግለፂኡ ንኢዱ። እቲ ኮሚሽን ነቲ ጉዳይ ይከታተሎ ከምዝነበረ ዝጠቐሱ ዋና ኮሚሽነር ዶ/ር ዳንኤል: እቶም ተመለስቲ ኣገልግሎት ባንኪ ክጥቀሙ ምፍቃዱን ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዛት ምርካቦምን ብኣዎንታ ከም ዝርአ እቲ መግለፂ ይጠቅስ።

እቲ ንኣተሓሕዘኦም ዝግበር ክትትል ግን ሕዚ'ውን ይቕፅል ከምዘሎ ወ/ሮ ሰላማዊት ግርማይ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪበን። ብዝሒ እቶም ተመለስቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት 9-ሽሕ ክብሎ እንከሎ፡ ክልል ዓፋር ድማ 7,800 እዮም ይብል።

XS
SM
MD
LG