ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተአሰሩ ሰባት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ሓቲቱ


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝተኣሰሩ ሰባት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ሓቲቱ።

እቲ ኮሚሽን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝቐፀለ ግጭት ተኣሳሲሩ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝፍፀሙ መጥቓዕትታት፣ምክልባትንማእሰርትን፣ ምዕፃው ኣብያተ ንግድን፣መቕተልትን ተመሳሰልቲ ተግባራት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምልከት ይመፁ ዘለው ሓበሬታት ከምዝተሓሳሰቦ ገሊፁ ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለፂኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ካብ ሕጊ ወፃኢ ማእሰርቲ ምፍፃሙ ብዝምልከት ዝበፅሑዎ መረዳእታታት ይከታተል ከምዘሎ ሓቢሩ። ነዞም ጉዳያት እዚኦም የጻርይ ምህላው ናይቲ ኮሚሽን ናይ ኮሚኒኬሽን ጉዳያት ኣማኻሪን ወሃቢ ቃልን ኣሮን መዓሾ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፁ።

ሰራሕተኛታት መሓውራት ዜና ሓዊሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣሰሩ ሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ናብ ዝርከቡ ቦታታት ይውሰዱ ከምዝለው ሓበሬታ ከምዘለዎ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ ኣሎ።እቲ ኮሚሽን ብስፍሓት ይስምዑ ዘለው ዝበሎም ፅልእን ግጭትን ዘለዓዕሉ መደረታት ነቲ ኩነታት ዘጋድድን ካብኡ ሓሊፉ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ዘሎ ምትእስሳራት ከላሕልሑ ዝኽእሉን እዮም ኢሉ።ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢታት ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝተኣስሩ ሰባት ብቕልጡፍ ክፍትሑን ኣብ ልዕሊኦም ምክልባትን ካልኦት ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝፈፀሙን ኣካላት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ኮምሽን ኣብ መግለፂኡ 4 ሓምለ 2013 ዓ\ም ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር፣ወረዳ ፎገራ፣ወረታ ተባሂላ ኣብ እትፅዋዕ ከተማ ሰለስተ ተወለድቲ ትግራይ ብዕስለ ተቐጥቂጦም ከምዝተቐትሉ መረዳእታ ከምዝበፅሖ እቲ መግለፂ ይሕብር።

ኣቶ ኣሮን መዕሾ እቲ መቕተልቲ ምፍፃሙ እቲ ኮሚሽን ከምዝረጋገፀን ተወሳኺ ምፅራይ ይካየድ ምህላውን ተዛሪቦም።

ሓላፍቲ ምምሕዳርን ፀጥታን ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ እቲ ኩነታት ከም ዝተረጋግአን ሽዱሽተ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉን ተፈሊጡ ኣሎ ።

እቲ ኮሚሽን በተወሳኺ ኣብ ልዕሊ እሱራትን ምሩኻትን ዝፍፀሙ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ኣብ ስደተኛታት ዝወርድ መጥቓዕቲን ህፃናት መልሚሉ ንውትድርና ምጥቃምን ዝምልከቱ መረዳእታታት ኣለው ይብል።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን መንግስቲ ህወሓት ህፃናት መልሚሉ ንውትድርና ይጥቀመሎም ኣሎ ክብሉ ይገልፁ።

ህወሓት ብዛዕባ ምልመላ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝቐረቦ ክሲ ዝሃቦ መልሲ የለን።

ብዛዕባ እዚ ዝተሓተተ ኣማኻሪ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሮን መዓሾ መረዳእታ ከምዘለዎ ብምግላፅ ቤት ፅሕፈቱ የጻርዮ ምህላው ገሊጹ።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራ ከምኡ'ውን ንህወሓት ተቓወምቲ እዮም ብዝብል ኣብ ልዕሊ ስቪላት ይውሰድ ኣለው ዝተባህሉ ናይ ምቕታልን ምዕፋንን ስጉምትታት ከምዝተሓሳሰቦ ናይቲ ኮሚሽን መግለፂ ይሕብር። ኣብ ኣላማጣን ከባቢኡን ዳግም ዝተልዓለ ግጭት ስዒቡ ይፍፀም ኣሎ ዝተባህለ መጥቓዕቲ ዝለዓለ መጠነ ዘለዎም ተመዛበልቲ ምህላዎን ሓቢሩ ኣሎ።

ቴሌኮምኒኬሽንን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ምቁራፆም ንናይ ሰብኣዊ መሰላት ክትትል ከቢድ ከምዝገበሮ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብዛዕባ መቕተልትን መስወርትን ተቓወምቲ ካብ ህወሓት ዝተውሃበ መልሲ የለን፤ ምስ ረኸብና ክነቕርቦ ኢና።

ብኻልእ ወገን ከኣ ተሓላቂ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል "ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንተጋሩን፣ ተሓለቅቲ መሰላትን ጋዜጠኛታት ብሃውሪ ምእሳር ደው ይበል" ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ሃለዋት እቶም ዝተኣሰሩ ንከፍልጥ’ ኣምነስቲ ጸዊዑ ኣሎ።

ሓይልታት ትግራይ ንመቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፣ፖሊስ፣ ንብርክት ዝበሉ ተጋሩ ኣብ አዲስ አበባ ብሃውሪ ኣሲርዎም ኣሎ። ብመሰረት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ግብሪ ፖሊስ 'ዓሌታዊ መበገሲ ዘለዎ፣ ተኣሲሮም ዝተፈትሑ፣ መሰኻኽርን ሰብ ሞያ ሕጊን፣ ፖሊስ ናብ መዳጎኒ ስፍራ ቅድሚ ነቶም ተጋሩ ምእታው ከመይ ገይሩ ንመለለዪ መንነት ከምዝፍትሽ" ተዛሪቦም እዮም።

"መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጅምላዊ ስጉምቲ ምእሳር ደው ንከብሎ ዝጸወዐ አምነስቲ፣ እቶም ተኣሲሮም ዘለው ተጋሩ፣ ወይ ብዓለምለኸ ደረጃ ዝተነጸሩ ገበናት ክኽሰሱን ናብ ቤት ፍርዲ ክቀርቡን እተዘየለ ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑን" ጸዊዑ ኣሎ።

ብዘይካ'ዚ፣ ኣምነስቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ቤተሰብ ንሃለዋት እቶም ዝተኣሰሩ ከፍልጦም፣ እሱራት ምስ ጠበቃን ስድራኦምን ንክራኸቡ ክፈቅድ ኣለዎ ይብል ።

XS
SM
MD
LG