ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከም ሓድሽ ክምስረት ኣምንስቲ ሓቲቱ


ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከም ሓድሽ ክምስረት ኣለዎ ክብል መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ ኮሚሽን ብኣድልዎን ካብቶም ዝተለመዱ ናይ ኣዋድዳ ስርዓት ወጻኢ ዝንቀሳቀስ’ዩ ክብል ኣምንስቲ ወቂሱ እታ ሃገር ካብቲ ዝጸንሓ ጨቋኒ ኣሰራርሓ ክትናገፍ ዝተበደሉ ፍትሒ ክረኽቡ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ብዝሕግዝ መልክዕ ከም እንደገና ክምስረት ኣለዋ ኢሉ’ሎ።

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከም ብሓድሽ ክምስረት ኣለዎ እዚ ኸአ አድላይ ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ንዓመታት ክቀርቦም ዝነበረ ጸብጻበት መርትዖ’ዮም ኢሉ’ሎ።

ኣቶ ፍሰሃ ተክለ ኣብ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ንጉዳያት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኸታተሉ በዓል ሞያ’ዮም።

“ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ዘውጽእዎ ዝነበረ ጸብጻባት ንርእዮም ኔርና ኢና፡መብዛሕትኦም ጸብጻባት ንግህሰት መሰላት ሸፋፊንካ ምሕላፍ ዝተፈጸመ ምግሃሳት ከምዘየለ ናይ ምምሳል ነገር ኔርዎ’ዩ። ዘለና መርትዖ ድማ ብዙሓት ምግሃሳት ከምዝነበሩ ዘርእዩ’ዩ” ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከም ሓድሽ ክምስረት ኣምንስቲ ሓቲቱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:50 0:00

XS
SM
MD
LG