አዲስ አበባ —
ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓደ ሓደ ኣባላት መሪሕነት ህወሓትን ናይ ካልኦት እሱራትን ናይ ቤት-ማእሰርቲ ኣተሓሕዛ፡ ኣብ ዝግባእ ደረጃ ምዃኑ ኣርጋጊጹ።
መርመራ ገበናት ብዝክኣል ክሳለጥን ክዛዘምን ኣገባብ ሕጊ ብዝፈቐዶ መልክዕ ብዋሕስ ክፍትሑ ዝግብኦም እሱራት ምፍላይ ከምዘድሊ`ውን ኣትሓሳሲቡ`ሎ።
ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለን ካልኦት ኣባላቱን ካብ ዝበጽሕዎም እሱራት፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ: ኣቶ ቴድሮስ ሓጎስ: ኣቶ ኣባይ ወልዱን ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተን ከምዝርከብዎም`ውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ።
ንሳቶም ናብ ቤት ማእሰርቲ ፖሊስ መርመራ ገበን ካብ ዝርከቡ ንድሓር ግቡእ ዘይኮነ ናይ ቤት ማእሰርቲ ኣተሓሕዛ ከምዘየጋጠሞምን ብስነ-ምግባር ይትሓዙ ምህላዎምን ብምግላጽ፡ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣተውሉ እዋን ግን ጸርፊ ማህረምትን መፈራርሕን ከምዝተፈጸሞም ነቲ ኮሚሽን ምግላጾም ተጠቒሱ`ሎ።