ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘጋጥሙ መጥቓዕቲታት ናብ ማሕበረሰባዊ ግጭት የመርሑ የጠንቕቅ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዞባታት ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉድሩን፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ዜጋታት ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ናብ ማሕበረሰባዊ ግጭታት ንከየምርሑ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ስግኣቱ ገሊጹ። እቲ ግጭት ብሄር፡ተኮር ባህርይ ቅድሚ ምሓዙ ኣብቶም ግጭት ዝደጋገመሎም ከባብታት መንግስቲ እኹል ናይ ጸጥታ ሓይሊ ከዋፍር`ውን እቲ ኮሚሽን ኣተሓሳሲቡ`ሎ።

መበገሲ`ቲ ግጭት ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቓት ዝካየድ ግጭት ምዃኑ ዝገልጽ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ቀንዲ ትኹረትና ግን ኣብቲ ግጭት ዘየለዉ ሲቪላት ናይ`ቲ ግጭት ግዳያት ክኾኑ ኣይግባእን ዝብል`ዩ ክብል ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ`ሎ።

ወሃቢ ቓል ኦሮሚያ ብወገኑ፡ ኣብ መንጎ`ቲ ብፍቕርን ሕውነትን ዝነበርን ንሓድነት ኢትዮጵያ ዝቖመን ብሄር፡ብሄረሰብ፡ ንፖለቲካዊ መኽሰብ ዝቖሙ ኣካላት ድማ ይህልዉ`ዮም ካብ መንጎኦም ድማ ሸነ ዝተባህለ ሽብርተኛ ጉጅለን፡ ናይ ኣምሓራ ኮማንዶ ኢሉ ዝሸፈተ ሓይሊን ኣብ ንጹሃን ዓሊሞም ዝወስድዎ መጥቃዕቲ`ዩ ምበር፡ ኣብ ማእከል`ቲ ሕብረተሰብ ዝርአ ሓደ ነገር`ኳ የለን ኢሉ።

XS
SM
MD
LG