ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮምያ ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ


ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ውሳነ ቤት ፍርዲ ንክኽበርን ልዕልና ሕጊ ንክረጋገጽን፣ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ተደጋጋሚ መጸዋዕታ ኣቅሪብና መልሲ ኣይረኸብናን ኢሉ።

እቲ ኮምሽን ትማሊ ብመሰረት ዝዘርገሖ መግለጺ "ኣብ ጂማ ተኣሲሮም ዘለውን ብቤት ፍርዲ ብዋሕስ ንክፍትሑ ዝተፈቀደሎም ኣቶ መሓመድ ዴክሲሶን ካልኦትን ክሳብ ሎሚ ኣይተፈትሑን" ይብል።

ይኹን’ምበር፣ እቲ መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ፣ ሓደ ካብ’ቶም እሱራት ዝኾኑ ዶ/ር ወንድሙ ለገሰ ምፍተሖም ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ ሓቢራ።

ብዝተሓሓዝ ዜና ፣ ኣብ ክልል ሃራሪ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ዝሳተፉ ፓርቲታት፣ ቅሩባት ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም፣ ኢዜማን ኣብን ግና ብርክት ዝበሉ ሕጹያት ኣመዝጊቦም ነይሮም፣ ብሰንኪ ፍርሃት ግና ውሳነኦም ከምዝቀልበሱ ኣፍሊጦም ኣለው።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG