ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንመስርሕ ምጽራይ ግህሰት መሰላት ኢትዮጵያ ዘጻርይ ኮሚተ ከምዘቆመ ኣፍሊጡ


ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዝነበረትን ፋቱ ቤንሱዳ -ፋይል
ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዝነበረትን ፋቱ ቤንሱዳ -ፋይል

ቤት ምኽሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንመስርሕ ምጽራይ ግህሰት መሰላት ዘጻሪ ኣካል ከምዘቆመ ኣፍሊጡ። ጋምቢያዊት ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዝነበረት ፋቱ ቤንሱዳ ነቲ ሰለስተ ኣባላት ዝሓቆፈ ኮሚቴ ክትመርሖ ተመዚዛ ኣላ።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ውሳነ ቁጽሪ ኤስ 33/1 ዝሓለፈ ታሕሳስ ከሕልፍ ከሎ፣ ፕረዚደንት’ቲ ቤት ምኽሪ አርጀንቲናዊ ፈደሪኮ ቪለጋስ ንኣባላት እቲ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ሕዳር ጀሚሩ ዝተፈጸመ ግፍዒን ግህሰት መሰላትን ተጻሪ ኮምሽን ንከቁሙ ሓለፍነት ሂብዎም እዩ። ብመሰረት’ዚ፣ ጋምቢያዊት ፋቱ ቤንሱዳ፣ ኬንያዊት ካኣሪ ቤትይ ሙሩንጊን ኣሜሪካዊ ስቲቨን ራትነርን ኣብ’ታ ኮምሽን ንክሕቆፉ መሪጾም ኣለው።

ሸቶ ሰለስቲኦም ኣባላት’ታ ኮምሽን ኣናዳዪት ሓቂ፣ ሓቂን ኩነታትን ግህሰትን ገበንን፣ ምእካብን ምሓዝን ጭብጢታት፣ ተሓተቲ ምልላይ፣ እንተተኻኢሉ፣ እቶም ዝተኣከቡ መርተዖታት ከቅርቡን ሎምን መጻኢን ጊዜ ንመስርሕ ተሓታታነት ሓጋዚ ዕዮ ንክፍጽሙን ሕድሪ ተቀቢሎም ኣለው።

እቲ ውሳነ ወሲኹ፣ እዛ ሎሚ ቆይማ ዘላ ሓዳስ ኮምሽን፣ ነቲ ኮምሽናት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኢትዮጵያን ዘዳለውዎ ሪፖርት ክጥቀሙሉን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝገብሮ መስርሕ ተሓታታነት፣ ዕርቂን ሕውየትን ቴክኒካዊ ደገፍ ዝግበረሉ ኣገባብ ንክተጣጥሕ ሓቢሩ ኣሎ።

እታ ቆይማ ዘላ ሓዳስ ኮምሽን፣ ዝመጽእ ሰነ ወይ ሓምለ፣ ንመባእታዊ ሪፖርታ ናብ’ቲ ቤት ምኽሪ ብቃል ክተስምዕ፣ ዝመጽእ መስከረም ወይ ጥቅምቲ ድማ ብጽሑፍ ንክተቅርብ ተወሲኑ ኣሎ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምቋም’ታ ኮምሽን ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ "ገለ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ጻዕሪታት ኣስተናዒቆም፣ ፍሉይ ኣኼባ ጸዊዖም፣ ፖለቲካ ዝመበገሲኡ ሸቶ ንምዕዋት ተንቀሳቂሶም" ክብል ገሊጹ። ኣባላት ሃገራት’ቲ ቤት ምኽሪ፣ ነቲ ተበግሶ ንክነጽገኦ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸዊዑ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግና፣ እቲ ኮምሽን ከምዝተመስረተ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዝተገለጸሉ እዋን ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ፣ ንዝተፈጸሙ ግፍዒታት ንምጽራይ ዘሐግዝ ኮምሽን ንክቀውም ዝወሰዶ ተበግሶ ከምዝድግፍ ምግላጹ" ሮይተርስ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።

ኣካቢት’ታ ኮምሽን ጋምቢያዊት ፋቱ ቤንሱዳ፣ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዝነበረት፣ ንከይዲ መስርሕ ገበን ሩዋንዳ ኣብ ኣሩሻ ዓቃቢ ሕጊ ኮይና ዘገልገለት፣ ኣብ ሃገራ ጋምቢያ፣ ዋና ዓቃቢ ሕጊን ሚኒስትር ፍትሒንን ኣማኻሪ ሕጊ ፕረዚደንትን ካቢነን ኮይና ዝሰርሓትን እያ።

ኬንያዊት ካኣሪ ቤትይ ሙሩንጊ፣ ኣብ መስርሕ ኣሳጋሪ ፍትሒ ህጡር ተመክሮ ዘለዋ፣ ኣብ ሕገ መንግስታዊ መሰላት ጾታን ደቂ ኣንስትዮ ዝተዋሰአት፣ ኣማኻሪት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ኮይና ትነጥፍ ዘላ፣ ኣብ እዋን ግጭት ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ትሕለቅ፣ ኣካቢት እቲ ኣብ ኬንያ ተመስሪቱ ዝነበረ ኮምሽን ኣናዳዪ ሓቂን ዕርቂን ዝመርሐት፣ ኣብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን፣ ወካሊት ኣፍሪቃ ኮይና ዝነጠፈት፣ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ግዝኣት ፍልስጤማዊያንን’ውን አበርክቶ ዝገበረትን እያ።

ኣመሪካዊ ስቴቨን ራትነር፣ ኣብ ክፍሊ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ሚሺገን ኣመሪካ ዝምህር ዘሎ፣ ኪኢላ ሕጊ ህዝባዊ ርክባት፣ ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊነት፣ ስትራተጂ ጸረ ግብረ ሽበራ፣ ተሓታታትነት ኣብ ግህሰት መሰላትን እዩ። ኣብ ስሪላንካ፣ ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ጄነቫ፣ ኣብ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ኣብ መስርሕ ፍርዲ ብርክት ዝበሉ ክስታትን ሙግታትን’ውን ሰሪሑ እዩ።

XS
SM
MD
LG