ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ንስጉምቲታት ሓይልታት ጸጥታ ደቡብ ሱዳን ይነቅፍ


መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንጋዜጠኛታት፣ ተሓለቅቲ መሰላትን ቤተሰቦምን ከምዘከላብትን ምንቅስቃሳቶም ከምዝድርትን፣ ስርሖምን ገንዘቦምን ከምዘጥቅዕን፣ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ሎም ቅነ ዝተዘርገሐ ደብዳቤ ‘ሻቅሎት’ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ደቡብ ሱዳን "እቲ ይቅጽል ዘሎ ኩነታት መግሃስቲ መሰላት፣ ነቲ ዛጊት ዝሕቱል ኮይኑ ዘሎ መስርሕ ሰላም ዘጓትትን፣ ናብ ጎደና ዴሞክራሲ ዝግበር ገስጋስ ዘተዓናቅፍን እዩ" ክብል ይገልጾ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ግና ነቲ መግለጺ ነጺግዎ። መንግስታዊ ወሃቢ ቃል "ኮምሽን መሰላት ሕ/ሃ፣ ሓቂ ዘይኮነ ሓበሬታ ይዝርግሕ ኣሎ" ከምዝበለ ዝመጸና ዜና ጠቂሱ።

XS
SM
MD
LG