ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃን ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ትግራይ ዘካየድዎ ምጽራይ ግህሰት መሰላት ምዝዛሞም ሓቢሮም


ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን፡ ብሓባር ኮይኖም ኣብ ክልል ትግራይ ከካይድዎ ዝጸንሑ ምጽራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምዝዛሙ ኣፍሊጦም።

እቲ ካብ ግንቦት 16 ክሳብ ነሓሰ 20, 2021 ዝተኻየደ ምጽራይ ኣብ መቐለ፡ ዉቕሮ፡ ሳምረ፡ ኣላማጣ፡ ቦራ፡ ማይ ጨው፡ ዳንሻ፡ ማይካድራ፡ ሑመራ፡ ጎንደር፡ ባህርዳር ከምኡ`ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ይጠቕሱ።

እቲ ኣጻራዪ ጉጅለ ልዕሊ 200 ቃለ-መጠይቓት ምስ ግዳያት ምስ ክልላውን ሃገራውን ሰበ-ስልጣን፡ ምስ ሲቪላውን ሃይማኖታውን ትካላት ከምኡ`ውን ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝንቀሳቐሱ ሕክምናዊ ፍትሓውን ሰብኣውን ትካላት ከምዝገበረ ኣፍሊጡ`ሎ።

ከምኡ'ውን ሰነዳት፡ ስእልታትን ቪድዮታትን ከምዝመርመረ ዝገለጸ እቲ ናይ ሓባር ኮሚሽን፡ ናብ ገለ ከባብታት ብሰንኪ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዝነበረ ኩነታት ጸጥታን ካልእ ጸገማትን ክበጽሕ ከም ዘይክኣለ- እንተኾነ ካብቲ ቦታታት ንዝሃደሙ ግዳያትን መሰኻኽርን ከምዘዘራረበ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ብችለት፡ ዝመጽእ ሰኑይ 13 መስከረም 2021፡ ኣብ ጀነቫ ብዛዕባ`ቲ ዛጊት ዝተገብረ ምጽራይ መብርሂ ከም ትህብ ዝተሓበረ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ውጽኢት ናይ`ቲ መርመራ ግን ሕዳር 1, 2021 ወግዓዊ ከምዝኸውን ተጠቒሱ`ሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG