ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ምርጫ ናይጀሪያ ብሰንኪ ጎንጺ ካብ መደባቱ ከም ዘይተዓናቐፍ የመልክት


ኣብ ልዕሊ ኣባላቱን መሳለጥያታቱን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ዘሎ ኮሚሽን ምርጫ ናይጀሪያ፡ ካብቲ መዲቡዎ ዘሎ ናይ ለካቲት ምርጫ ከም ዘይተዓናቐፍ ገሊጹ። እቲ ኮሚሽን፡ ካብቲ ናይ መጨረሽታ ምርጫ 2019 ንነውጀው ጥራይ፡ ኣብ 15 ክፍለ-ሃገራት፡ 50 መጥቃዕታት መዝጊቡ ኣሎ።

ተወዳደርቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ኣባላት ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ተዓዘብቲ ምርጫን በብተራ ንሃገራዊ መዘከር ሰላም ንምፍራም ናብቲ ቦታ ክመጽኡ ይርኣዩ። እዚ ነቲ ኣብ ለካቲት 25 ዝግበር ሃገራዊ ምርጫ ውሕስነት ዝህብ መዘከር’ዩ።

እቲ መዘከር ብተወሳኺ፡ ናጻ ምርጫ ንምክያድ፡ ኣባላት ፖለቲካውያን ሰልፍታት ንደገፍቶም ቅድሚን ድሕሪን ምርጫ ንጎንጺ ከየለዓዕሉ ዝገትእ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ሰሙናት፡ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫን ስፍራታት ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ናይጀሪያን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ ነይሩ።

ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ምዅስኳስ መንእሰያት ዝነጥፍ ዪጋ (YIAGA) ዝተሰምየ ተበግሶ ዝዀነ ሳምሶን ኢታዶ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈታት ኮሚሽን ምርጫ ዝግበር መጥቃዕታት፡ እቲ ትካል ናጻን ርትዓዊን ምርጫ ንኸየካይድ ዕንቅፋት ከም ዝፈጥር ይምጕት። ከም ኣበሃህላኡ ድማ እቲ ቀንዲ ስእነት ጸጥታን ፍርሒ ምፍጣርን’ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት እቲ ኮሚሽን 53 መጥቃዕታት መዝጊቡ። እዚ ዝተጠቕሰ ኣብ መሳለጥያታትን ማእከላት እቲ ኮሚሽን ምዃኑ’ዩ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣርባዕተ ኣባላት እቲ ኮሚሽን ብኣሰቃቒ ግፍዒ ተቐቲሎም። እዚ ድማ ነቲ ዝነበረ ምድላዋት ብኣሉታ ጸልዩዎን ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩን።

እቲ ኮሚሽን ግን ብኸምዚታት ካብ መደባቱ ከም ዘይተዓናቐፍ’ዩ ይገልጽ።

ኣብ ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ዝዀነ ፈስቱስ ኦኮየ ነቲ ዘሎ ተዛማዲ ምርግጋእ ከብርህ እንከሎ ከምዚ ይብል፤

"በበይኖም ትካላት ጸጥታ፡ ናጻን ውሑድን ምርጫ ከነካይድ ከም እንኽእል ኣረጋጊጾምልና ኣለዉ። ምስኣቶም ድማ ብቐጻሊ ንዘራረብን ንጸጥታ ዝምልከት ሓበሬታ ንለዋወጥን ኣሎና።”

ኣብ መዝገብ ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ልዕሊ 93 ሚልዮን ዜጋታት ድምጾን ንምሃብ ተመዝጊቦም ኣለዉ። 12 ሚልዮን ካብዚኣቶም ሓደስቲ ኣድመጽቲ ኰይኖም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመዝገቡ’ዮም።

ኣብ ዝቐደሙ ክልተ ሃገራውያን ምርጫታት ኣስታት 40% ናይቶም ምዝጉባት ኣድመጽቲ ጥራይ’ዮም ድምጾም ሂቦም። ኣብ ርትዓውነት እቲ ምርጫ እምነት ምስኣን’ዩ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ዋሕዲ ኣድመጽቲ።

ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ግን ሕጂ ካብ ዝሓለፈ እዋን ዝተፈለየ ኣገባብ ምምያ ኣድመጽቲ ክገብር ምዃኑ ይሕብር። ወሃብቲ ድምጺ፡ ብኣሰር ኣጻብዕቲን ናይ ገጽ ምልክትን ተለልዮም፡ ነቲ ክህሉ ዝኽእል ምድንጋራት ከውግዱዎ ምዃኖም ኦኮየ ይሕብር።

"ቅድሚ መዓልቲ ምርጫ ከነማልኦም ዘድልዩ 14 ወሰንቲ ጉዳያት ነይሮም። 11 ካብዚኣቶም ድሮ ተፈጺሞም ኣለዉ። ስለዚ እኹል ምድላዋት ጌርናን ብግቡእ ተቐሪብናን ኣሎና ክብል እኽእል።”

ገለ ካብቶም ንኽመርጹ ተቐሪቦም ዘለዉ ዜጋታት ግን እቲ ምድላዋት ምሉእ ዘይምዃኑ’ዮም ዝነግሩ። ሓደ ካብኣቶም ነባሪ ኣቡጃ ዝዀነ ኢማኑአል ኦከ’ዩ።

"70% ዝበጽሑ ናይቶም ከድምጹ ናብዚ ንቝጣ ዝመጽኡ ዜጋታት መለልዪ ወረቐቶም ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ኣነ’ውን ሓደ ካብኣቶም’የ። እዚ ድማ ናተይን ካልኦት መሰልተይን መለልዪ ወረቐት ምርጫ ተሓቲሙ ድሉው ኣይኰነን ዘሎ። ስለዚ ክመርጽ ዘሎኒ ተኽእሎ ውሑድ’ዩ፡” ይብል።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ናይጀሪያ ብኣኽረርቲ ሰዓብቲ እስልምናን ዕጡቓት ጨወይቲን ክትሳቐ ጸኒሓ’ያ። ኣብ ልዕሊ ንቝጣታት ምርጫ ዝግበር መጥቃዕቲ ኣብ ርእሲኡ’ዩ።

ብዙሓት ከኣ እቲ ዝመጽእ ፕረዚደንት ነዞም ጉዳያት ገለ መፍትሒ ክግበረሎም ተስፋ ይገብሩ።

XS
SM
MD
LG