ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ምስ ፕረ. ክልል ሲዳማን ካቢነኦምን ምዝርራቡ ተሓቢሩ


ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ካብቲ ሕብረተሰብ ዝቐርቡ ኣጀንዳታት እምበር ካብ መንግስቲ ወይ ካብ ምሁራን ናብ ታሕቲ ዝወርዱ ጉዳያት ከም ዘይመክር ኮምሽነር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣፍሊጦም።

ፕሮፌሰር መስፍን ነዚ ዝገለፁ ሎሚ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ምስ ፕረዚደንት ክልል ሲዳማ ኣቶ ደስታ ለዳሞን ካብኒኦምን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣብ ዝመኸርሉ እዋን ክኸውን ከሎ ናይቲ ክልል ፕረዚደንት ነቲ ኮሚሽን ዘድልዩዎ ሓገዛት ሰብሙያን ካልእን ከምዝገብሩሎም ኣረጋጊፆም።

ኣቐዲሞም ርእይትኦም ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃቡ ናይ ኦፌኮ:ኣረናን ኢዜማን ኣመራርሓ እቲ ናይ ምክኽር ኮሚሽን ዝተመረጸሉ ኣገባብ ኩሉ ሓቆፍ ከምዘይኮነን ዝስዕቦ ዘሎ ኣገባብ ውጽኢታዊ ከምዘይኸውን ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።

ብካልእ ወገን እቲ ኮሚሽን ኣብ በበይኖም ፍልልያት ንኹሎም ኢትዮጵያዊያን ዝሓቁፍ ልዝብ ንምክያድን ምርድዳእ ዝፈጥሩ ኩነታት ምምዕርራይን ጥራይ ምዃኑ ፕሮፌሰር መስፍን ቕድሚ ሕጂ ዝሓበሩ ክኾኑ ከለው በዚ መስርሕ ድማ ንፖለቲካዊ ሰልፊታት ሓዊሱ ድልየት ንዘለዎም ኩሎም ከምዘሳትፍ ምግላቶም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG