ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽነር ሕ/ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ክሃድእን ልዝብ ክካየድን ጸዊዖም


ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሓማት-ፋይል
ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሓማት-ፋይል

ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሓማት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዝተፈጥረ ወታሃደራዊ ወጥሪ ስኽፍትኦም ብምግላፅ ነቲ ወጥሪ ክሃድእን ልዝብ ክካየድን ምትሕስሳቦም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ርእይቶ ሙሳ ፋቂ ማሓማት ዝስማዕ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሸውዓተ ወታሃደራታን ሓደ ስቪልን ቀቲሎም ኢላ ካርቱም ድሕሪ ምኽሳሳ እዩ።ኢትዮጵያ ነቲ ኽሲ ነፂጋቶ ኣላ።

መግለፂ ሕብረት ኣፍሪቃ ፋቂ "ኣብ መንጎ ፌደራላዊ ዴሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ሪፓብሊክ ሱዳንን ዘሎ ወታሃደራዊ ወጥሪን ኣብ ሓባራዊ ዶበን ህይወት ሰብ ምጥፍኡን ብዓሚቕ ስኽፍታ ይከታተሉዎ ኣለው’’ ይብል ።

እቲ መግለፂ ወሲኹ "እቶም ኣቦ መንበር መልዓሊኡ ብዘይገድስ ፍፁም ዝኾነ ዕቃበ ብምርኣይ ኣብ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ዘሎ ዝኾነ ይኹን ምስሕሓብ ንምፍታሕ ክዛተይሉ ተማሕፂኖም’’ ይብል ።

ኢትዮጵያ ነቶም ወታሃደራት 22 ሰነ 2022 ኣብ ኣስሓሓቢ ኣል-ፋሻጋ ከምዝሓዘቶም ሱዳን ትኸስስ።ኣዲስ ኣበባ ብወገና ሓይልታት ሱዳን ንዶብ ጥሒሶም ናብ ኢትዮጵያ ብምእታዎም ምስ ሚሊሻ ተታዅሶም ትብል።

ጋዜጣ ሱዳን ትሪቡን ሰራዊት ሱዳን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ከባቢ ኣል ፋሻጋ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ወታሃደራት ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ፀብፂባ።ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሱዳን ናቢል ዓብዳላ ግን ነቲ ዜና ነፂጉዎ።

"ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን መጥቓዕቲ ኣይፈፀምናን፣ኣይንፍፅምን ንምጥቃዕ እውን ኣይተለምናን ግን ናይ ዝኾነት ትኹን ሃገር ወታሃደራዊ ሓይሊ ንዓለምለኸ ዶብና ክሰግር ኣይንፈቅድን።ከምኡ ዝገብር እንተሃሊዩ ክንከላኸል መሰል ኣለና’’ ኢሉ።

ኣብ ኣል-ፋሻጋ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ብመሬትን ማይን ብፍላይ ድማ ብናይ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሴ ስፍሕ ዝበለ ወጥሪ ከልዕል እዩ።ሱዳንን ግብፅን ግድብ ዓብይ ህዳሴ ብምቅዋም ኣብ ምምላእ ማይን ምሕደራ እቲ ግድብን ስምምዕ ክግበር ይደፍኣሉ ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG