ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሊፖ ግራንዲ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከቡሉ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ በጺሑ፣ ዝያዳ ሓገዝ ሓቲቱ


ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከቡሉ መዓስከር ስደተኛታት ኣለም ዋጭ በጺሑ ምስቶም ስደተኛታት ወከልቶምን ምዝርራቡ ወኪልና ካብቲ ቦታ ጸብጺባ። ፍሊፖ ግራንዲ፡ ኣብቲ ናይ ዳባት ዑደቱ፡ ብዳይረክተር ጉዳያት ተመለስቲ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ’ውን ተሰንዩ ነይሩ።

ንኹነታትን መነባብሮን እቶም ስደተኛታት ድሕሪ ምዕዛብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ፍርቂ ናይቲ ንስደተኛታት ክትረኽቦ ዝተለመት መጠን ሓገዝ ጥራይ ምርካባ ዓቢ ክፍተት ፈጢሩ ነይሩ፡” ኢሉ። ንሱ ወሲኹ ምስ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ተዛማዲ ሓገዛት ናይ ምብጻሕ ተኽእሎታትን ለገስቲ ኣካላት ኣበርክቶኦም ከሐይሉ ጸዊዑ።

ፍሊፖ ግራንዲ ብምቕጻል፡ ብሕልፊ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርዶም ተደጋጋሚ ምጕስቓል ብምምልካት፡ ኵላቶም መሻርኽቲ ኣካላት ሓገዝ ኣበርኪቶም ነቲ ዘሎ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ክሰርሑ ጸዊዑ።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለም ዋጭ ኣስታት 22-ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት ተዓቚቦም ምህልዎም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የምልክቱ። እቶም ኮሚሽን ድሕሪ ዑደት ግራንዲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ቦታ ብዅልትናኡ ንስደተኛታት ንምዕቋብ ብዛዕባ ዘለዎ ተኽእሎ ዝያዳ መጽናዕቲ ከም ዝሓትት ጠቒሱ ኣሎ።

ኣብ ጎንደር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ስእነት ጸጥታ፡ ዋሕዲ መሰረታዊ ቀረባትን ብኵራት ሓላፍነት ዝምልከቶም ኣካላትን ደጋጊሞም ክጠርዑ ከም ዝጸንሑ ይዝከር። እቶም ስደተኛታት “ምምሕያሽ እንተ ዘየለ ንዓዲና ክንምለስ” ኢሎም’ውን ሓቲቶም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG