ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ ኣስታት 300 ሰባት ምሟቶም ገሊጸን


ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ሚሸል ባችለት
ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ሚሸል ባችለት

ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ሚሸል ባችለት፣ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጸን።

ኣብ’ቲ ከባቢ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ጸጥታን ኣዝዩ ከምዘንቆልቆለ’ውን ጠቂሰን።

ሚሸል ባችለት ነዚ መግለጺ ዝሃባ፣ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት እዩ። ተወካሊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ማህሌት ሃይሉ ብወገነን ‘ባችለት ዝሃበኦ መግለጺ፣ ምስ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዝፍለይ እዩ’ ክብላ ምላሽ ሂበን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG