ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ ንኢትዮጵያዊያን ናይ 18 ኣዋርሕ ግዜዊ ጻንሖት ይህብ


ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስእነት ጸጥታን ምርግጋእን፡ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ (Department of Homeland Security) ኣብ ኣመሪካ ንዝጸንሑ ንኢትዮጵያዊያን ዜጋታት ናይ 18 ግዜያዊ ናይ ምጽናሕ ፍቓድ ምሃቡ ቤት ጽሕፈት ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ብስም ሓላፊ እቲ ክፍሊ ኣለሃንድሮ ማዮርካስ ሎሚ ዝወጸ ወግዓዊ ጽሑፍ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ዜጋታት ኢትዮጵያ ናብታ ሃገር ክምለሱ ውሕስነት ስለ ዘይብሎም፡ እታ ሃገር ብጸጥታን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ክሳብ ዝረጋጋእ ኣብ ኣመሪካ ክጸንሑ ፍቓድ ከም ዝሃበ ሓቢሩ። እቶም ግዜያዊ ናይ ምጽናሕን ምስራሕን ፍቓድ ተዋሂቡዎም ዘሎ ኢትዮጵያውያን ካብ ትማሊ 20 ጥቅምቲ ኣብ ኣመሪካ ንዝጸንሑ ዝምልከት ኰይኑ፡ እዚ ን18 ኣዋርሕ ተዋሂቡ ዘሎ ፍቓድ ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ከይዲ ክቀያየር ከም ዝኽእል እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ይሕብር። ብሕጂ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዉ ዜጋታት ኢትዮጵያ ግን እቲ ኣዋጅ ከም ዘይምልከቶም ተሓቢሩ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ Temporary Protected Status (TPS) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ንዜጋታት ኣዝየን ዘይውሑሳት ሃገራት ግዜያዊ ናይ ምጽናሕ ፍቓድ ዝህብ ኣዋጅ ክትኣቱ ናይ ፈለማኣ’ዩ።

XS
SM
MD
LG