ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

16 ክፍለ ግዝኣታት ኣሜሪካ ንኣዋጅ ህጹጽ እዋን ፕረ. ትራምፕ ብምቅዋም ንምምሕዳሮም ከሲሶም


16 ክፍለ ግዝኣታት ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሜክሲኮ ኣብ ዘዳውብ ደቡባዊ ዶብ’ታ ሃገር መንደቕ ንምህናጽ ዘድልይ ገንዘብ ንምርካብ ንዝኣወጅዎ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብምቅዋም ንምምሕዳሮም ከሲሰን ኣለዋ።

ብናይ ካሊፎንያ ጠቕላሊ ዓቃብ ሕጊ ዝምርሑ ዓቐብቲ ሕጊ እዘን ክፍለ ግዝኣታት ክሶም ትማሊ ሶኑይ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ኖርዝ ካሮሊና ዝርከብ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦም ኣለው።

እቲ ዝቐረበ ክሲ፡ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ፕረዚደንት ትራምፕ ዘይሕጋዊን ዘይቅዋማዊን’ዩ ብተወሳኺ ካብ ፕሮግራማት ጸረ ኣደንዛዚ ዕዝ፡ ወታሃደራዊ ናይ ህንጸት ፕሮግራማንትን ካልኦት ሕጊ ናይ ምኽባር ጻዕርታት ዝውሰድ ገንዘብ ነተን ክፍለ ግዝኣታት ዝጎድእ’ዩ ይብል።

እቲ ክሲ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ትራምፕ ንካልእ ናይ መንግስቲ ፕሮግራማት ዝተሰለዓ ገንዘብ ናብ ምህናጽ መንደቕ ከይውዕል ክክልክል ፡ወይ’ውን ነዚ ዕላማ ዝውዕል ገንዘብ ካብ ኮንግረስ ከይረኸበ ናብዚ መዓላ ከየውዕል ይሓትት።

“ፕረዚደንት ትራምፕ ንልዕልና ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ብምጥሓስ ስግኣት ይፈጥሩ ኣለው” ዝበሉ ጠቕላሊ ዓቓብ ሕጊ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎንያ ዣቭየር በከራ “ እዚ ናይ ዶብ ቀውሲ ከምዘይኾነ ይፈልጡ’ዮም። ምእዋጅ ህጹጽ ኣዋጅ ድማ ውሕስነት ከምዘይብሉ ይፈልጡ’ዮም። ኣብ ቤት ፍርዲ ድማ ከምዝሰዓሩ ይኣምንሉ’ዮም” ኢሎም።

ብተወሳኺ ሓደ ጉጅለ ተሓላቒ ጉዳያት ከባቢን እቲ መንደቕ ዝህነጸሉ ቦታ ዘለው ሰለስተ ወነንቲ መሬት ቴክሳስ ነቲ ክሲ ተጸንቢሮሞ ኣለው።

ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ነቲ ክሲ ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ግብረ መልሲ ኣይሃበን እንተኾነ ግን እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣብ ቤት ፍርዲ ብድሆ ከምዝገጥሞ ኣቐዲሙ ምሕባሩ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ነዚ ኣዋጅ ዝቓወሙ ሰልፈኛታት ትማሊ ኣብ ኣፍደገ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ተቓውሞኦም ምስምዖም ይፍለጥ።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኽበ ኖሃ ስቶፓክ “ ክሊማ ዓለም ህጹጽ ጉዳይ’ዩ፡ ቅዋማዊ ህጹጽ ጉዳይ አሎ ካልእ ድማ ንዋንነት ኣጽዋር ዝምልከት ህጹጽ ጉዳይ ኣሎ ። ኣብ ደቡባዊ ዶብ ግን ህጹጽ ጉዳይ የለን ህጹጽ ጉዳይ ኣዊጅካ ጎልፍ ክትጻወት ኣይትኸይድን ኢኻ” ክብል ርእይትኡ ይህብ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኮንግረስ ንናይ ዶብ ጸጥታ ዝሰልዖ ገንዘብ ስለዘየሓጎሶም ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምእዋጆም ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ወፍሪ ምርጫኦም ኣብ ደቡባዊ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን መንደቕ ከምዝሃንጹን ንህንጸት ዶብ ድማ ሜክሲኮ ከምትከፍል ይጉስጉሱ እንተነበሩ ሰበ ስልጣን ሜክሲኮ ግን ንምህናጽ’ቲ መንደቕ ዝኮነ ዓይነት ናይ ገንዘብ ወጻኢ ከምዘይገብሩ ምሕባሮም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG