ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክፍለግዝኣት ሚዙሪ ቻይና ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ሓላፍነት ክትወስድ ኣለዋ ክትብል ከሲሳ


ቻይና ንለበዳ ኮቪድ19 ሓላፍነት ክትወስድ ኣለዋ ክብል ናይ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ሚዞሪ ከሲሱ: ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ግን ነቲ ክሲ ነጺግዎ’ሎ።

ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ክፍለ ግዝኣት ሚዞሪ ኤሪክ ሽሚት ሰበስልጣን ቻይና ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 2.6 ሚሊዮን ሰባት ክሓሙ፣ብዓሰርተታት ሚሊዮን ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ስራሕ ወፃኢ ክኾኑን ናይ ቻይና ሓዊሱ ከባቢያዊ ቁጠባ ክዓኑ ገይሮምን ክብሉ ትማሊ ሰሉስ ክሲ መስሪቶም ኣለው።

ሲሚት መንግስቲ ቻይና ብዛዕባ ሓደጋ እቲ ቫይረስ ሓሲዩ ምስፍሕፍሑ ንምግታእ ዝኣክል ስራሕ ኣይሰርሐን ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ጀንግ ሹዋንግ እቲ ዝብሃል ዘሎ ክሲ

ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ተንኮል እዩ ክብሉ ሎሚ ዝሃብዎ ረቡዕ ጋዜጣዊ መብርሂ ኣፍሊጦም።ቻይና ኣብዚ ኹሉ ቅልውላው ግልፂ ምንባራን ብዛዕባ ኩነታት ቫይረስ ኮሮና ኣብ እዋኑ ንውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘፍለጠትን ሓቢሮም።

ሰበስልጣን ቻይና ካብ 3 ጥሪ ጀሚሩ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ምስ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ርክብ ከምዝነበሮም ሹዋንግ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG