ናይ ኣሜሪካ ኩባንያ መድሓኒት ፋይዘር ምስ ኣብ ጀርመን ዝመደብሩ ኩባኒያ ባዮኔት ዘማዕበሉዎ ክታበት ቫይረስኮሮና ካብ 12 ክሳብ 15 ዓመት ንዝኾኑ ቆልዑት ውሑስን ኣድማዕን እዩ ኢሉ። እዚ ድማ ኩሎም ኣብያተ ትምህርቲ ኣሜሪካ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ዳግም ንክኽፈቱ ዘኽእል ዓብይ ምዕባለ እዩ ተሃቢሉ'ሎ።
ክልቲኦም ኩባኒያታት ትማሊ ሰሉስ ከምዝሓበሩዎ ኣብ ልዕሊ 2,200 ቆልዑት ዝተኻየደ ፈተነ ዋላ ሓደ ካብቶም ዝተኸተቡ ቆልዑ ብኮሮናቫይረስ ኣይተትሓዙን ኢሎም።
እቲ ክታበት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሉ ልዕሊ 16 ዓመት ሰብ ክወስዶ ከምዝኽእል ፀዲቑ እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ጀርመን ኦክስፎርድ ኣስትራዘኒካ ዝማዕበለ ክታበት ኮሮናቫይረስ ልዕሊ 30 ዓመት ሰባት ከይኽተቡ ኣጊዳ ኣላ፤ ምኽኒያቱ ድማ ናይ ደም ምርጋእ ከስዕብ ይክእል'ዩ ብዝብል ስኽፍታ እዩ።
ጀርመን ነዚ ዝወሰነት ካናዳ ንልዕሊ 55 ዝዕድሚኦም ሰባት ኣስትራዘኒካ ምሃባ ጠጠው ምስ ኣበለት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብቶም ዝቕፅሉ ሰሙናት ን41 ሚሊዮን ሰባት ክታበት ንምሃብ ኣብ ወርሒግንቦት ከም ዝጅመር ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ ትማሊ ሰሉስ ገሊፆም።
ፕረዚደንት ራማፎዛ ሃገሮም ሓደ ግዜ ዝወሃብ 31 ሚሊዮን ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንስ: ክልተ ግዜ ዝወሃብ 20 ሚሊዮን መጠን ዶዘ ክታበት ፋይዘር ንምምፃእ ስምምዕ ትዛዝም ኣላ ኢሎም ።ተወሳኺ ክታበታት ካብ ቻይናን ሩሲያን እውን ክመፅእ ይኽእል እዩ ኢሎም።