ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክሮኦሽያ ንብራዚል ብምስዓር ናብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ


ሎሚ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ብጸወታት ብራዚልን ክሮኦሺያን ተጀሚሩ ኣሎ። እዘን ክልተ ሃገራውያን ጋንታት ካብተን ብዝዓበዩ ኣምበላት ተጻወቲ ሉካ ሞድሪችም ቲያጎ ሲልቫን ዝምርሓን’የን።

ክሮኦሽያ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ውድድር ዋንጫ ዓለም ንዋንጫ በጺሓ ብፈረንሳ ዝተሳዕረት ጋንታ’ያ። እንተዀነ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ካብተን ቅድሚት ዝጽዋዕ ግን ከኣ ክንድኡ ሸፈነ መራኸቢታት ዘይረኽባ ሃገራት’ያ። ሓደ ምኽንያት ናይዚ ምናልባት ኣብታ ሃገር ዝጻወታ ክለባት ዓቢ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ስለ ዘይወሃቦ ክኸውን ይኽእል።

ጸወታ ክልተ ሃገራት ምትፍናን ምትሕልላዋን ዝመልኦ’ዩ ነይሩ። ብኽልቲኡ ወገናት ተደጋጋሚ ፈተነታት እኳ እንተ ነበረ ብዘይ ዝኾነ ሸቶ ንዕረፍቲ ወጺአን።

ብዙሕ ንቡር ዘይኰነ’ውን ተጻዋታይ ጋንታ ብራዚል ካሲሜሮን ናይ ክርኦሽያ ሉክ ሞድሪችን ማልያታት ክቀያየሩ ተራእዮም። እዞም ተጻወቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ንጋንታ ሪያል ማድሪድ ተጻዊቶም’ዮም።

ድሕሪ ዕረፍቲ ሓያሎ ዘይዕዉታት ፈተነታት ብኽልቲኡ ወገናት ዝተራእዮ ጸወታ፡ ምዱብ ግዜ ብዘይ ዝኾነ ሸቶ ተዛዚሙ።

ኣብ ተወሳኺ ግዜ ግን ኮኾብ ብራዚላዊ ኣጥቃዒ ነይማር ብዘመዝገባ ሸቶ ብራዚል መሪሕነት ረኺባ። ነይማር በዛ ሎሚ ዘመዝገባ ሸቶ ምስ ንጉስ ኵዕሶ እግሪ ምዃኑ ዝነገርሉ ወዲ-ሃገሩ ፔለ ተመዓራርዩ ኣሎ። ኣይጸንሐትን ግን ክርኦሽያ ብመገዲ ፔትሮቪዝ ኣቢላ ሸቶ ኣመዝጊባ፡ ጸወታ ድማ 1 ብ 1 ምድብ ናይ ተወሳኺ ሰዓታት ተዛዚሙ ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣምሪሐን።

ክሮኦሽያ 4: ብራዚል 2 ብምምዝጋብ ድማ ክሮኦሽያ ናብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ'ላ።

XS
SM
MD
LG