ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ዲፕሎማት ኣመሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክበጽሑ'ዮም


ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ደቪድ ሳተርፊልድን ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሞሊ ፊን
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ደቪድ ሳተርፊልድን ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሞሊ ፊን

ነቲ ኣብ ሱዳን ሲቪላዊ ደሞክራሲያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዳግም ንምጥያስ ብሕቡራት ሃገራት ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ንምድጋፍ ክልተ ዲፕሎማት ኣመሪካ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣለዉ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ደቪድ ሳተርፊልድን ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሞሊ ፊን፡ ምስ ሓደ ኣብ ሱዳን መሰጋገሪ መንግስቲ ክትከል ዝጽውዕ ጉጅለ ንምርኻብ ናብ ሪያድ ተጓዒዞም ኣለዉ፡።

እቲ ዲፕሎማት ኣብ ካርቱም`ውን ምስ ወተሃደራዊ መራሕቲ ሱዳን፡ ምስ ደገፍቲ ደሞክራስን ማሕበራት ደቀንስትዮን ክራኸቡ`ዮም። ዳይሬክተር መጽናዕቲ ኣብ ማእከል ኣፍሪቃ ንስትራተጂያዊ መጽናዕቲ ጆሰፍ ሲግል ኣመሪካ ቅልውላው ሱዳን ብልዝብ ንፍታሕ ኣብ ዝግበር መሰርሕ ዘይትካእ ግደ ኣለዋ ይብል።

XS
SM
MD
LG