ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ክታበታት ቫይረስኮሮና ምስ ዘይልሙድ ተርእዮ ሕማም ልቢ ምትሕሓዝ ከምዘለዎ ተሓቢሩ


ማእከል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማም ኣሜሪካ (CDC) ክልተ ዓይነታት ክታበት ኮቪድ 19 ዝወሰዱ ኣወዳት ቆልዑን ደቂ ተባዕቲዮ መናእሰይን ዝተርኣየ ዘይተለመደ ናይ ልቢ ሕማም ምስቲ ክታበት ርከብ ከምዘለዎ ትማሊ ረቡዕ ገሊፁ።

እቲ ናይ ፌደራል ናይ ጥዕና ትካል ክታበታት ፋይዘር ወይ ሞደርና ዝወሰዱ ልዕሊ 1,200 ሰባት ሚዮካርዲስ ዝተባህለ ናይ ልቢ ሕማም ኣማዕቢሎም ኣለው ኢሉ።እቲ ተርእዮ ካብ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ በብዝሒ ከምዝረኣይን፤ኣብቲ ካልኣይ ክታበት ድማ ከምዘጋጥም ተሓቢሩ'ሎ።

ምልክታቱ ድማ ድኻምን ኣብ ኣፍ ልቢ ከባቢ ቓንዛን ሓዊሱ ቀሊል ብምዃኑ እቲ ሕማም ዝተሰምዖም መብዛሕቲኦም ብምሉእ ብምሉእ ከምዝሓወዩ እቲ ማእከል ገሊፁ።

ሓደ በዓል ስልጣን ምምሕዳር መግብን መድሓኒትን ኣሜሪካ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ምስ ዝተፈለጠ ብዛዕባ ሓደግኡ ሓዱሽ ናይ ጥዕና መጠንቀቕታ ንሓካይምን ተጠቀምቲ ናይቶም ክታበታትን ክወሃቦም እዩ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG