ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኬንያን ናብ ጁባ ዘካይድኦ በረራ ደው ከምዘብላ ኣጠንቂቐን


መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መንገዲ ኣየር ኬንያን ባልጃታት ገያሾ ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ከተማ ጁባ ብተደጋጋሚ ይጠፍእ ብምህላው ናብ ጁባ ዘካይድኦ በረራ ደው ከምዘብላ የጠንቕቃ።

ቤት ምኽሪ ሚንስትራት’ታ ሃገር ብዓርቢ ድሕሪ ዘካይዶ ኣኼባ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ሚካኤል ማኩዌ እዘን ክልተ መንገዲ ኣየር ብዋና ከተማ’ታ ሃገር ጁባ ዘካይድኦ በረራ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ስርቂ ባልጃ ገያሾ ደው ከብላ ከምዘጠንቐቓ ሓቢሮም።

እተን መንገዲ ኣየራት ግን ኣገልግሎት መዓስ ደው ከምዘብላ ኣይሓበራን።

ኣመሓዳሪ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ኩር ኩወል ምስ አካየድቲ ስራሕ እተን መንገዲ ኣየር ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ከምዝዘራረቡ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG