ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ዘሎ ውግእ ከምዘሻቀሎም ገሊጾም 


ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ግሪጎርይ ሚክን መሳርሕቶም ሚካኤል ማኩዋልን፣ ናብ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብልንክን፣ ትማሊ ሰሉስ ሓደ ሓባራዊ ደብዳቤ ልኢኾም ኣለው። ትሕዝቶ እቲ ደብዳቤ "ኣብ ትግራይ ቀጺሉ ዘሎ ውግእ እናሓደረ የሻቅሎም ከምዘሎ" ዝገልጽ እዩ።

በቲ ኣብ ትግራይ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ኣዚና ተሻቂልና ኣለና። እቲ እናወሰኸ ይመጽእ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ንኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ኣፈናቂሉ፣ ልዕሊ 4 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ገይርዎም ኣሎ።

እቶም ክልተ ኣባላት ቤት ምኽሪ "ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት፣ ንጾታዊ ምድፋር፣ መግረፍቲ፣ ኣስገዳድ ምፍንቃልን ምስዋርን፣ ተግባር ምጽራይ ዘርኢ፣ ከየጻረኻ ምቅታል፣ ዘረፋ፣ ዕንወት ትካላት ሕክምናን ንትካላት ረድኤት ዝግበረሎም ዘሎ ደረት ምንቅስቃስ ሓዊሱ ዝተፈጸሙ ግፍዒታትን መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን ብጽኑዕ ንኹንን" ይብሉ ።

ብመሰረት’ዚ፣ ምምሕዳር ኣሜሪካ፣ ንእገዳታት ሓዊሱ ንዘለዎ ኩሎም ዓቅሚታት ተጠቂሙ፣ ንፈጸምቲ’ቲ ግፍዒን ገሃስቲ መሰላትን ንክሕተቱን እቲ ቅልውላው ንከብቅዕን ንክዓዪይ ጸዊዖም።

ኣብ’ቲ ውግእ ይዋስኡ ዘለው፣ ሰራዊት ህወሓት፣ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ወትሃደራት ኤርትራን ካልኦት ዕጡቃትን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ግፍዒ ፈጺሞም እዮም ተባሂሎም ይጥቀሱ። ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት፣ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ዓሚቅ ጸብጻብ ምፍናው ተማሕይሹ ኣሎ። ናጻ፣ ዓለምለኻዊን መስርሕ ምጽራይ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝተፈጸሙ ግፍዒታት ምክያድ ኣገዳሲ እዩ። ንኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ትካላት፣ ኣብ ህዝቢ ኣኽሱም ዝተፈጸመ ግፍዒ ገሊጾም እዮም። ቀ/ሚ ኣብዪ ንህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣሚኖም፣ ገበን ዝፈጸሙ ከምዝሕተቱ’ውን ኣነጺሮም።

ምምሕዳር ኣሜሪካ፣ ንተኣማኒ ምንጭታት ክከታተልን ኣብ ልዕሊ ፈጸምቱ እገዳ ንከንብርን ንጽውዕ።

ሓደ ነገር ንጹር እዩ። ውግእ ናይ ትግራይ ወትሃደራዊ ፍታሕ ኣይረክብን። ኣብ’ዚ ቀረባ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዶባት ኢትዮጵያ ከምዝወጹ ብአዲስ አበባን አስመራን ብዝተዋሃበ መግለጺ ተተባቢዕና ኢና። ስለዚ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ መሊኦም ምውጸኦም ብህጹጽ ንከረጋገጽ ድማ ንጽውዕ። ብተወሳኺ፣ ኩሎም ወገናት ብምቁራጽ ተጻብኦ ንክቅየዱን ናብ መኣዲ ኩሉ ሓቆፍ ልዝብ ንክኣትውን ነተሓሳስብ። ውግእ ናይ ትግራይን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘለው ግጭታት ዘይምፍታሕ ማለት፣ ዘርኣዊ ውጥረት ከንህር እዩ፣ ቁጠባዊን ኩነታት ውሕስና መግቢ ከጋድድ፣ ተኣማኒን ኩሉ ሓቆፍ መረጻ ንከይህሉ ዓንቃፊን ንሙሉእ እቲ ዞባ ክህውኽን ተኽእሎ ኣለዎ።

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ግሪጎርይ ሚክን መሳርሕቶም ሚካኤል ማኩዋልን ናብ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ አንተንይ ብልንክን ዝላኣኽዎ ጽሑፍ "ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ኢትዮጵያ ንዝጸንሐ ክልተኣዊ ርክብ ዘለና ተገዳስነት ኣብ ቦትኡ ከሎ፣ እቲ ይካየድ ዘሎ ውግእ ግና፣ ንሓባራዊ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ጸጥታዊን ርክባትን ከተዓናቅፎ እዩ። ምስ ዞባዊን ዓለምለኻዊ መሻርኽትና ዘሎ ጽምዶታት እናናኣድና፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተሓታታይነት፣ ዴሞክራሲን ልዕልና ሕጊን ንምርግጋጽ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብቀረባ ተሓባቢርና ክንሰርሕ ኢና" ይብል ።

XS
SM
MD
LG