ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ኣሰሓሐብቲ ወታደራዊ ሰበስልጣን ሱዳን ንናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ንክመርሑ ካብ ዝተመርፁ ኮይኖም ኣለው


ክልተ ኣሰሓሐብቲ ወታደራዊ ሰበስልጣን ሱዳን ነታ ሃገር ንዝቕፅሉ ሰለስተ ናይ መሰጋገሪ ዓመታት መንግስቲ ንክመርሑ ካብ ዝተመርፁ ኮይኖም ኣለው።ወታደራዊ መራሕቲ ሱዳን ብስቪላት ዝመራሕ ተቓዋሚን ኣብቶም ዝቕፅሉ ሒደት መዓልታት ናይ ምምራፅ ስርሖም ክዛዝሙ ትፅቢት ኣሎ።

ሌቴናል ጀነራል ሓምዳን ዳግሎን ሌቴናል ጀነራል ዓብዱል ፋታሕ ኣል-ቡርሓንን በቲ ተበቲኑ ዘሎ መሰጋገሪ ወታደራዊ ቤት ምኽሪ ኣብዚ ሓድሽ መንግስቲ ንሰራዊት ክውክሉ ተሓሪዮም ኣለው።

ክልቲኦም ጀነራላት ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ንልዕሊ 120 ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ኣብ ዝቐተለ መጥቓዕቲ ተሓተቲ ምዃኖም ብሰፊሑ ይእመን።ነባሪት ካርቱም ናዲር ዓሊን ብዙሓት ሱዳናዊያንን ናብ ስልጣን ዘይኮነስ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም ይብሉ።

“ዘሕዙኑ ነገራት ዝፈፀመ ወታደራዊ ቤት ምኽሪ እዩ ናብ ስምምዕ መፂኡ ዘሎ።ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱዳን ብዙሕ ገበናት ፈፂሞም እዮም።ከም ኣል-በሽር ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ፣ተኣሲሮም ፍርዶም ክረኽቡ ነይሩዎም።”

ሓይልታት ነፃነትን ለውጥን ዝተባህለ ተቓዋሚ ሽም ሓሙሽተ ኣባላት ወኪላት ናይ ዝጣየሽ መንግስቲ ኣየረጋገፀን።

ኣሚና ዓብዶሞኒየም 11 ኣባላት ናይ ዝሓዘ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ዛጊት ወግዓዊ ዘይምዃኑ ከምዝተደናገረት ገሊፃ።ዓብዱላህ ማሕሙድ ግን እቲ ውሳነ ህድእ ምባሉ ነገራት ኣፅሪዮም እናኸዱ ምህላዎም ዝሕብር ስለዝኾነ ዝንኣድ እዩ ይብል።

ሓደሽቲ መራሕቲ ሱዳን ስልጣን ንምሓዝ ምድላዋት ይግበር ኣብዘውለሉ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ሚያዚያ ብወታደራት ካብ ስልጣኖም ዝተባረሩ ናይ ቀደም ፕረዚደንት ዑማር ኣል-በሽር ብዙሕ ናይ ወፃኢ ገንዘብ ብምሓዝ ሓዊሱ ብክስታት ብልሽውና ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG